2012-02-18 14:31:06

ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ


ወትሩ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ቤት ኅትመትን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ብምቕጻል፣ ሎሚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ጥልቂ ሓዘን ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስነቶም ኣብ ሆንዱራስ RealAudioMP3 ብዝሓለፈ ረብዕ ዕለት 15 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኮማያጉዋ ዝርከብ ቤት ማእሰረቲ ብዘወረደ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ንሞት ዝተዳርጉ 350 ዜጋታት ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲና ታርቺዚዮ በርቶነ ክታም ዝተነብረሉ ኣብ ዝተሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፣ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጓነፎን እግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቕበሎምን ንቤተሰብ ሕዙናት ምጽንናዕን እቶም ማህሰይቲ ዘጋጓነፎም ቅልጡፍን ምሉእን ሕውየት ክረኽቡ ተማሕጺኖም፣ ኣብ ጸሎት ከምዝዝክርዎምን ቀረባኦም ከምዝኾኑን ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮማያጉዋ ዘጋነፈ ሓደጋ ብሓቂ ምኽንያት ጥልቂ ጓህይ ኢዩ። እቲ ቤት ምእሰርቲ ከምቲ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርአይ፣ ካብቲ ክሕዞ ካብ ዝግብኦ ብብዝሒ ሰብ ኣዚዩ ዝተጨናነቐ ብምንባሩ ድማ፣ በቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ምኽንያት ሞት ዘጓንፎም ቁጽሪ ክብ ክብል ከምዝገበሮን ገሊጾም፣ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣብ 2004 ዓ.ም. ኣብ ሆንዱራስ ሳን ፐድሮ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርትን ኣብ ቺለን ኣልጀሪያን ሬፓብሊካዊት ዶመኒካናን ብራዚልን ሱዕዲ ዓረብን፣ ማሮኮን ኤል ሳልቫዶርን ቱኒዚያን ኣርጀንቲናን መክሲኮን ዝተኸስቱ ሓደጋታት እውን ዘኪሮም።
ጌጋ ዝፈጸመ ሰብ ብዙሕ ጊዜ ንዝተፈላለየ ዓመጽን ሕሥረት ሰብኣዊ ክብርን ዝተቓልዔ ኮይኑ ኢዩ ዝርአይ፣ እቲ ጌጋኡ ብምንም ተኣምር ሰብኣዊ ክብሩ ክገሃስ ኣለዎ ኣይብልን፣ ዝተፈጸመ ገበን ይዅን ወይ ድማ ጌጋ ንምግሃስ ክብሪ ሰብ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእል፣ ስለዚህ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ምስ ኅብረተሰብ ብሰላም ክወሃሃዱ ዘብቕዖም መእረምታን ኅዳሴን ዝረኽቡሉ ቤት ሕንጸት ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ኣምበር ቤት ኩነኔ ክኸውን ኣይግብኦን ኢሎም።
እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቤኒን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንእትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝለገስዎ ድኅረ ሲኖዶስ መላእ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ዝደረስዎ ‘ኣፍሪካ ሙኑስ-መብጽዓ ኣፍሪቃ’ እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳንን ከምኡ እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ረብብያ እተሰምየ ቤት ማእሰርቲ ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ቅዱስ ኣቦና ጉዳይ ቤት ማእሰርትን እሱራትን ክሳብ ክንደይ ብቐረባ ዝከታተልዎን ኣብ መላእ ዓለም ናይ እሱራት ኩነትን ዘለዎም ጸገም ዘጓንፎም መከራ ብሓቂ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝርከቡለን ሃገር ሥልጣኔ ብኄር ሚዛን ኢዩ፣ ነቲ ምስላ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መወዳእታ ፍርዲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 25 ካብ ፍቕዲ 31 ክሳብ 46 ካብ ዝገለጾም መምዘንታት ሓደ “…ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ” ዝብል ምዃኑ ዘቃልሕ ኢዩ ምስ በሉ፣ ንኣና እቶም ኣብ ሆንዱራስ ቤት ማእሰርቲ ኮማያጉዋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንሞት ዝተዳርጉ ነፍሲ ወከፎም ምስሊ ገጽ ክርስቶስ ኢዩም እንክብሉ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.