2012-02-16 14:18:48

ብፁዕ ካርዲናል ሸረር፦ ወንጌል ኣብ ኩሉ ኣብ ምብጻሕ ተልእኾ ኣስተዋጽኦ ራዲዮ ቫቲካን


ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 13 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ንፈለማ ጊዜ ዝበዓለ ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይ መዓልቲ ፈነወ ራዲዮ፣ ብሓቂ ናይ ራዲዮ ኣገልግሎትን ፈነወ ራዲዮን ዓቢ ሓይሊ ከምዝኾነን ዓለም ብዝተፈላለየ መገዲ ብዝተራቀ ናይ መራኸቢ ብዙኃን መጋበርያታት እውን እንተተዓብለለ ራዲዮ የመሓይሽ RealAudioMP3 እምበር ከይሉ ከምዘይገብርን፣ በንጻሩ ዘለዎ ኣድላይነት ከምዘዕዝዝ ዝተመስከረሉ ዕለት ከምዝኾነ እንክንገር፣ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ኤውሮጳ ናይ ድምጽን ርእየትን ማኅበር መራኸቢ ብዙሃን ኣባል ከምዝኾነት ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ኣባልነታ ዘለዎ ተራ ኣመልኪቶም ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ፓውሎ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦዲሎ ሽረር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ራዲዮ ቫቲካን ቅድምን ሎምን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን፣ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ዘለዎ ግደ ዘነጽር ኢዩ። ናይ ቤተ ክርስትያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ድምጺ ምዃንን እዚ ድምጺ ንዓለም ምቅላሕ ዓቢ ተልእኾ ኢዩ፣ ልክዕ ከም ልኡኻት ወንጌል ብዘይ ተሳትፎ ራዲዮ ቫቲካን ድምጺ ቤተ ክርስትያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣበይ ሓደ ሥፍራ’ኳ ኣይምበጽሔን ኢሎም።
ልክዕ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ናይ ቫቲካን ቁጠባ ዘይካፈል ማለት ናይ እቶት ኃይሊ እውን ኣይኮነን ቤተ ክርስትያን በዚ ኣተሓሳስባ ዓለም ዘይክነስ በቲ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐበለቶ ጸዋዕታ ክቡር ዋጋ መሠረት፣ ድምጻ ናብ ዓለም ኩሉ ከተባጽሕን ወንጌል ከተስፍሕን እትጥቀመሉ መጋብርያ መራኸቢ ብዙሃን ኢዩ። ድምጺ ራዲዮ ንምቕባልን ንምስማዕን ከም ካልኦት ክፍሊ መራኸቢ ብዙሃን ብዙሕ ግብረኣዊ ሞያን ዓቢይ ኢደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣይሓትትን ኢዩ። ስለዚህ በዚ መሠረት ክትርእዮ እንኮሎኻ፣ ራዲዮ ዘለዎ ጥቕሚ ዝለዓለ ምዃኑ ትርዳእ ምስ በሉ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ቤተ ክርስትያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ድምጺ ከምዝኾነ ድማ ኣዘካኺሮም፣ ወንጌል ኣብ ምስፋሕ ዘለዎ ኣበርክቶ ዝነኣድ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.