2012-02-14 14:23:30

ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይ ዕለት ፈነወ ራዲዮ
ኣባ ሎምባርዲ፦ “ራዲዮ ቫቲካን ድምጺ ተስፋን ናጽነትን ኣብ ዓለም”


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ማኅበር ሓልዮ ትምህርትን ሥነ ጥበብን ባህልን ዋና ኣመሓዳሪት ኢሪና ቦኮቫ ትማሊ ብቀዳመይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ራዲዮ ምኽንያት ኣብ ዘተሓላለፈኦ መልእኽቲ፣ “ናጻን ብርእሱ ዝሓድርን ኅብረኣውነት ዘንጸባርቕ ራዲዮ ንሕንጸት ጡዑይ RealAudioMP3 ኅብረተሰብ ኣዚዩ ኣገዳስን ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ከምኡ እውን ንመሠረታዊ ናጽነት ንምንቕቓሕ ኅያው ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ” እክብላ ራዲዮ ዘለዎ መሠረታዊ ጥቕሚ ከምዝገለጻ እንክሕበር፣ ኣብ ኢጣሊያ ብብሔራዊ ሓቆፍ ደረጃ ኣብታ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ንመጀመሪያ ጊዜ ጉሌልሞ ማርኮኒ ክፍለ ዓለማዊ መደብር ፈነወ ራዲዮ ዝሓነጸላ ከተማ ፒሳ፣ ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይቲ መዓልቲ ራዲዮ ከምዝበዓለ እውን ክፍለጥ እንከሎ፣ በታ ዕለት ምኽንያት ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ዋና ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፥ ርኽበት ራዲዮ ብሓቂ ናይ ሓደ ሓድሽ ዘመን ዜጋ ዝገበረን፣ ናይ ፈነኣዊ ርክባት ጊዜ ዘተኣታተወን ሓድሽን ጽዑቕን ቍልጡፍ ሜላ ዝርጋሐ ሓበሬታ ዘነቓቕሔ እዩ። ስለዚህ ልክዕ ከምቲ ናይ ኅትመት ርኽበት ከምኡ እውን ርኽበት ራዲዮ ኣዚዩ ኣገዳስን ኣብ መንጎ ኅብረተሰብ ርክብን ውህደትን ዘተን ዘተባብዕ ኢዩ እንክብሉ፣ እቲ ንሰብኣዊ ዕብየት ዝድግፍ እወታዊ ጎድኒ ርኽበተ ራዲዮ ሓቢሮም፣ ካብ ካልኦት ብርእየት ዝስነዩ ናይ መራኸቢ ብዙኃን መጋበርያታት ዝተፈልየ ኢዩ።
ምስማዕ ዝሓትትን እቲ ትሰምዖ ብስእለ ኣእምሮ ከተሰንዮ ዘተባብዕን ናይ ምሕሳብ ክእለት ክብ ዘብል ድኻን ሃብታንም ዘይፈሊ ኩሉ ክህልዎ ዝኽእል ክፍሊ መራኸቢ ብዙኃን ኢዩ። ስለዚህ ራዲዮ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ ምስ በሉ፣ ብዛዕባ እታ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድምጺ ተባሂላ እትጽዋዕ ራዲዮ ቫቲካን ኣገልጋሊት ወንጌልን ር.ሊ.ጳጳሳትን ቤተ ክርስትያንን ብምዃና ድማ ናይ ተስፋን ኣብ ወንጌል ኣስተንፍሶ ናይ ዘለዎ ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ናይ ዝድገፍን ዝምራሕን ጥበብ ድምጺ እዩ። ቀንዲ መለለዪ ራዲዮ ቫቲካን “ድምጺ ተስፋን ናጽነትን ኣብ ዓለም” ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብ ዓለም መልእኽቲ ቤተ ክርስትያን ዘቃልሕ ፈነወኡ ኣብ መላእ ዓለም ዝበጽሕን ንዝሳቐዩን ነቶም ኣብ ድኽነትን ሕሱም ድኽነትን ዝርከቡ ዜጋታት ተስፋ ናይ ዘብጽሕን ተልእኾ ወንጌል መጋበርያ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.