2012-02-14 14:28:57

ሩሲያ፦ ክፍሊ ትምህርቲ ሥነ ሃይማኖት ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ


ኣብ ሊትዋንያ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ብሓባር ኣብ ሞስኮ፣ ኣብ ናይ መንግሥቲ ኣባይቲ ትምህርቲ ክፍሊ ትምህርቲ ሃይምኖታት ምትእትታው RealAudioMP3 ናይ ሓንቲ ሃገር ዘይ ሃይማኖታዊ መንግሥቲ መትከል ዝጻረር ከምዘይኮነ ከምዘረጋገጹ እንክምልከት፣ እዚ ናይ ሊትዋናያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ምስ ናይ ወጻኢ ኣባይቲ ክርስትያን ርክባት ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ዘነቓቕሕዎ ጉባኤ፣ ናይተን ክልተ ኣባይቲ ክርስትያን ልኡኻት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሊትዋንያ ካኡናስ ከተማ ናይ ዘካይድዎ ኣኼባ መቐጸልታ ክኸውን እንከሎ፣ ተሳተፍቲ እቲ ናይ ሓባር ጉባኤ እቲ ንሥድራ ቤት ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆ ገጢምካ ንምስናፍ፣ ትምህርቲ ሥነ ሃይማኖት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ክፍለጥ እንከሎ፣ ሥነ ምግባርን ግብረ ገብን ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ ከም ክፍሊ ትምህርቲ ዘይምቕራብ፣ ኣብ ኅብረተሰብ ዘለዎ ሳዕቤን ኣብ እዋናዊ ዓለም ንዝቀላቐል ዘሎ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው መንቀሊ ኢዩ፣ ስለዚህ ምሉእ ሰብኣዊ ሕንጸት ብዘይ መንፈሳዊ ሕንጸት ምርግጋጽ፣ ፈጺሙ ከምዘይከኣልን ነቲ ሰብኣዊ ሕንጸት ጎደሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ መንፈሳዊ ባህርይ ዘይምኽባር እውን እዩ፣ ምስፋሕ ትምህርተ ሃይማኖት ኣብ ናይ መንግሥቲ ኣባይቲ ትምህርቲ ንጥዑይ ዜጋ ሕንጸት ደገፍን ንናይ ዘይሃይማኖታዊ መንግሥቲ ቅወማ ዘይጻረር ምዃኑ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ሊትዋንያ እትርከክ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወኪሎም ዝተሳተፍ ብፁዕ ኣቡነ ታምከቪቺዩስ ከምዘነጸሩ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.