2012-02-09 14:30:53

ጳጳሳዊ ግረጎርያና መንበረ ጥበብ ፦ “ናብ ፍወሳን ተኃድሶን”
ብፁዕ ኣቡነ ሺክሉና፣ “ብሓቂ መሠረት ፍትሒ፣ ቀታሊ ባህሊ ስቕታ (ምጽቃጥ) ምውጋእ”


ብዛዕባ ብውሑዳት ኣባላት ውፉይ ሕይወት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕፃናት ዝተፈጸመ በደል ዘማእከለ “ናብ ፍወሳን ተኃድሶን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ካብ መላእ ዓለም ብጠቕላላ ናይ 110 ሃገራት ቤት ምኽርታት ብፁዓን ጳጳሳት ልኡኻትን፣ ኣብ ሰበኻታት ዘገልግሉ ናይ ሥነ ኣእምሮ ሊቃውንትን RealAudioMP3 ሓኻይም ሥነ ኣእምሮ ኮሚቴን ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ሊቀ መንበር ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕቲ ሥነ ኣእምሮ ዋና ሓላፊ ኣባ ሃንስ ዞልነር ዝሳተፍሉ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ሮማ ኣብ ናይ ቫቲካን ግዳመ ግዝኣታዊ ከባቢ ዝርክበ ጳጳሳዊ ግረጎርያና መንበረ ጥበብ ብዕለት 6 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ ሃይምኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዊሊያም ጆሴፍ ለቫዳ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝተበገሰ ዓወደ መጽናዕቲ ሎሚ ዕለት 9 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ከምእተፈጸመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ካብ 110 ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይት ምክርን ናይ 30 መንፈሳዊ ማኅበራት ጠቕላሊ ሓለፍትን 10 ካርዲናላትን 40 ናይ ስነ ኣእምሮ ሊቃውንትን ሓኻይምን ምስክርነት ዝህቡ ናይቲ ጸያፍ በደል አደዳ ዝኾኑን ቤተ ክርስትያን ነዚ ጸያፍ በደል ንምውጋድ ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ ብቐዳምነት ዝዋስኡ ዝቐረበሉ ዓወደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ቤተ ክርስትያን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዘለዋ ዓቢይን ግልጽን ድላይ ዘነጸረን ነዚ ተግባር ብቑዕን ግቡእን መጋበርያ ዘቕረበ ምዃኑ የመልክቱ። እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ድሕሪ ናይ ትማሊ ዋዕላ ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘ ሎዮላ ነቶም ናይቲ ጸያፍ በደል ኣደዳ ዝኾኑ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ይቕረታ ዝሓትት ናይ ጣዕሳን ምልዋጥን ድላይን ቁርጺ ፍቓድን ዘጠቓለለ ናይ ሓባር ምሥጢረ ንስሓ ሥነ ሥርዓት ጸሎት ከምእተፈጸመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ነቲ ናይ ዕዩ ጉባኤ ዘረባ ብምስማዕ ዘጀመሩ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ እምነት ዓንቀጽ ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ክፍሊ መነቓቕሖ ፍትሒ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሺክሉና ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ተፈጺሙ ዝበሃል ጸያፍ በደል ሓቂ ምድላይ ግብረ ገብን ሕጋውን ግዴታ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ጸያፍ በደል ዝፈልጥ ክነሱ ሱቕታ ዝመርጽን ዘደናግርን ጸረ ፍትሕን ጸረ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኢዩ። ነቶም ናይቲ ጸያፍ በደል ኣደዳ ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ስቓዮም ጽን ምባልን ድጋፍ ምቕራብን ናይ ቤተ ክርስትያን ግዴታ ኢዩ ምስ በሉ፣ ኣብዚ እዋን እቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም በደል ቤተ ክርስትያን ብከባብን ሃገርን ከምኡ እውን ብኵላውነት ደረጃ ከምእትከታተሎን ቀሪባ እውን እዚ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ኣጻርያ ነቶም ኣደዳ ዝኾኑ ኩለ መደያዊ (ሰብኣዊ መንፈሳውን ሥነ ኣእምሮኣውን) ደገፍን ነቶም ተሓተቲ ብሕገ ቀኖና መሠረት ግቡእ ሕጋዊ ውሳኔ ክረኽቡን ሥነ ኣእምሮኣዊ ሕንጸትን ክንክንን ክረኽቡ ኣረጋጊጾም፣ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ከምቲ ብዙሓት ናይ መራኸቢ ብዙኃን ተራ ብሓጢኣተይ ዝበሃለሉ መድረኽ ዘይኮነስ፣ ብሓቂ እቲ ጸያፍ በደል ብዓንተውኡ ከይፍጸም ንምክልኻሉን ነቶም ኣደዳ ዝኾኑ ዝተማልአ ደገፍን ሕንጸት ንምቕራብ ዘብቕዑ መጋበሪያ ዘቕረበ ኢዩ ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ፊርማ ዝተነበረሉ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ናይቶም ግዳይ ዝኾኑ ሕፃናት ፍወሳን ሕውየትን ናይ መላእ ማኅበረ ክርስትያን ኣዚዩ ዘገድስ ኣድህቦ፣ ማዕረ ማዕረ ብኹሉ ጽፍሕታቱ ምስቲ ጥልቂ ናይ ቤተ ክርስትያን ኅዳሴ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ክኸውን ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ምዕዳን ዝተጠቕሶ ከምዝኾነን፣ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 25 ፍቕዲ 40 “እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነኣሱ፣ ኣኅዋተይ ዝገበርኩምዎ ንኣይ ከምዝገበርክምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” እንክብል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘረጋገጾ ተግባር ናይ ዝሥዋዕ ግብረ ሠናይ ዘንጸባርቕን ዝነብርን ኃላፍነት ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተግባር ቤተ ክርስትያንን ከባቢ ቤተ ክርስትያንን ንናይ ሕጻናትን ናይቶም ኣዚዩም ተነቀፍቲ ንዝኾኑ መንእሰያት ዝገጥሞም ብድሆታት ብወንጌላዊ ፍቕሪ ዝተሰነየ መንፈሳውን ሰብኣውን ደገፍ ብምቕራብ ዝፍትሓሉ ግቡእን ብቑዕን ሥፍራ ክኸውን ከምዘተባብዑን ከምዝድግፉን ይዝከር። እቶም ተሳተፍቲ ካብቲ ዘካይድዎ ዓወደ መጽናዕቲ ብዝረኽብዎ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ተመክሮ መሠረት ኣብ ቤተ ክርስትያን ንጽኑዕ ውጽኢታዊ ሓለዋን ደገፍን ምእንቲ’ቶም ናይ ግብረ ሥጋ ዓመጽ ኣደዳ ብብቑዕ ተኽእሎ ከውዕልዎ ምዕዳን ሂቦም፣ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ውህሉል መጽናዕታዊ ዕዮ ንእኖ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይልን ሰላምን መረጋገጺ ድማ ንዅሎም ተጋባእያን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከምዘመሓላለፉ ዝዝክረ ኢዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.