2012-02-09 14:34:26

ኣቃልቦ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ነቶም ኣብ ሲናይ ተጨውዮም ዝርከቡ ስደተይናታት


እቶም ኣብ ከባቢ ሲናይ ዝተጨውዩ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዜጋታት ሱዳንን ኤርትራን በቶም ዑጥቓት ኃይሊ’ቲ ከባቢ ዓሌት ንነዊሕ ኣዋርሕ ተጨውዮምን ዘለዉ ናይ መልቀቒ ገንዘብ RealAudioMP3 እንተድኣ ዘይኸፈሉ ንመሸጣ ንግድ ክፍሊ ኣካል ሰብነት መጋበርያ ክኾኑን ነዚ ዘስኻሕክሕ ኢሰብኣዊ ተግባር ተቓሊዖን ኣብ ገበነይናታት ዕጡቓት ኃይሊ ኢድ ዝርከቡ ካብቲ ወዲቖምሉ ዘለዉ ሓደጋ ንምንጋፍ ድሕሪ ነዊሕ ሱቕታ ማኅበርሰብ ዓለም፣ ኣቃልቦ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ከምዝረኸበ ናይ ልምዓታዊ ምትሕብባር ሓልዮ ሃበሻ እተሰምየ ዘይመግንሥታዊ ማኅበር ኣቦ ወንበር ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እቲ ዘደንጽው ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢድ ዑጡቓት ኃይሊ ዝርከቡ ሰለማውያን ስደተይናታት ጉዳይ ብዝብልከት መንግሥቲ ግብጺ ዝመረጾ ግብረ ሱቕታ ኢዩ። ከም ኣብነት እቶም ብኃይሊ ምክልኻል ግብጺ ስጉምቲ ናጻ ዝተለቑ ተጨውዮም ዝነበሩ ናይ በጻሖ ዜጋታት ኣመሪካን ቻይናውያን ዓየይትን ጠቒሶም እንክድለ ናይ ግብጺ ኣባላት ኃይሊ ምክልኻል ጅሆ ዝኾኑ ናጻ ክልቐቑ ብቑዕ ስጉምቲ ከምዝወሰዱን ናጻ ከምዝወጹን ዘኪሮም። ንሓደ ዓመት ዝኣክል ናይ ግብጺ መንግሥቲ ነቶም ተጨውዮም ዘለዉ ስደተይናታት ናጻ ንኽልቐቑ ክንቀሳቐስ ብዝተፈላለየ መገዲ ጻውዒት ክቐርበሉ ጸኒሑ ኢዩ፣ እቲ ዘሕዝንን ዘሰንብድን እቶም ተጨውዮም ዘለዉ ዜጋታት ነቲ ኢሰብኣዊ ገበን ዝኾነ ንመሸጣ ንግድ ክፍሊ ኣካል ሰብነት ተቓሊዖም ምህላዎም ኢዩ። ኣካሎም ገማሚዕካ እቲ ዘድሊ ክፍሊ ኣካል ሰብነት ንመሸጣ ንድግድ ምውዓል ዝብል ሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ኣለዉ፣ ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር እቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ንምውጋድን እቶም ዝተጨውዩ ናጻ ንኽልቀቑ ዝገብሮ ጻዕርታት ኣብ ሰናይ ፍጻሜ ንኸይበጽሕ ዝገብሮ ዘሎ መርትዖ ንምርዳኡ የጸግም ኢዩ። ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ድማ እቶም ጨወይቲ ሓውሲ ወተሃደራዊ ወይ ድማ ምስቶም ናይቲ ከባቢ ናጽነትን ንቑጠባዊ ርእሰ ሉኣላውነት ዝቃለሱ ናይ ሰበኽ ሳግም ምንቅስቓስ ኃይልታት እውን ክኾኑ ዝከኣል ኢዩ ዝብል ግምት ኢኻ ተንብር እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.