2012-02-09 14:39:28

2013 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ ደ ጃነይሮ


በቲ በቢ ዓመቱ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስያን ሓልዮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ድሕሪ እቲ መበል 26 ኣብ ማድሪድ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ቅዱስ ኣቦና RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝመጽእ ዓመት ካብ ዕለት 23 ሓምሌ ክሳብ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ ከተማ ንኻካድ ዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት እነሆ ነታ መዓልቲ ዝውክል ብብራዚላዊ 25 ዓመት ዝዕድሚኡ መንሰይ ጉስታቮ ሁገይኒን ዝተደርሰ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ካሪዮካ ሜትሮጶሊታ ኣብ ዝርከብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ሪዮ ደ ጃኒየሮ ሊቀ ጳጳስሳት ብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ዡዋው ተመፐስታ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣኼባ ብወግዒ ክመዝቐረበ ተገሊጹ።
ብፁዕ ኣቡነ ተምፐስታ ብዛዕባ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ ደ ጃነይሮ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቶም ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ናይቲ መዓልቲ መንሰያት ምልክት፣ ናይ ብራዚል ሕብሪታት፣ ቀጠልያን ብጫን ሰመያውን ጻዕዳን ዘለዎ ኣብ ማእከሉ ናይ መድኃኒ ኣለም ምስሊ ዝተቐብኦ ኮይኑ ናይ መንእሰይ ልቢ ምልክት ልቢ ዝተቐብኦ ኣብ ማእከሉ እቲ መዓልቲ ክርስቶስ ዘማእከ ከምዝኾነ ዘነጽር ስእሊ ንእሽቶ መስቀል ዝተነብሮ ምዃኑ ገሊጾም። እቲ ናይዚ መዓልቲ መለለዪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከድረስ ብዝቐረበ ጸዋዕታ መሠረት፣ ካብ ቻይና ከይተረፈ ዝተደርሱ ድረ ገጻት ከምዝበጽሑን ካብቶም ዝቐረቡ መርእዮታት ድማ እቲ ብጉስታቮ ሁገይኒን ዝተደርሰ ናይቲ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ ደ ጃነይሮ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ከምእተሓርየ ገሊጾም፣ ኣብ መወዳእታ እታ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ትእምርቲ ዝኾነ ዓቢይ መስቀልን ቅዱስ ምስሊ እኖ ድንግል ማርያም ኣብ መላእ ብራዚል ኣብ ዝረከባ ሰበኻታት ዘካይዶ ዑደት ብዝለዓለ መንፈሳውነት ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.