2012-02-07 13:28:51

ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓድነትን ነጻነትን፦ “ኣብ ኣናሥር ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ክርስትና”


ናይቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓድነትን ነጻነት ናይ 2012 ዓ.ም. ናይ ኣስተንትኖን ሰሙናዊ ትምህረተ ክርስቶስ ቤት ትምህርቲ መደብ ናይቲ ማኅበር መሥራቲ ብናይ ነፍሰ ኄር ብፁዕ ኣቡነ ክቡር ልዊጂ ጁሳኒ RealAudioMP3 “ኣብ ኣናሥር ናይ ክርስትና ናይ ይግብኣኒ ሕቶ’ ዝብል ዳግም ብቤት ማሕተም ሪዞሊ ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፎም ዝምራሕ ምዃኑ ናይቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሊቀ መንበር ክቡር ኣባ ኹሊያን ካሮን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ቀጺሎም እቲ ኅውነታዊ ማኅበር ውህደትን ነጻነትን ነቲ ዝሓለፈ 2011 ዓ.ም. ከም መምርሒ ንቤት ትምህርቲ ማኅበረሰብ ዝተጠቀመሉ “ናይ ሃይማኖተይናነት ትርጉም” ዝብል ኣርእስቲ መሠረት ገይሩ ንዘካየዶ ሰሙናዊ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ መቐጸልታ ከምዝኾነን፣ ብፍላይ ድማ ነፍሰ ኄር ብፁዕ ኣቡነ ክቡር ጁዛኒ “እምነት ክርስትና ናይ ሕይወት ተመክሮ ኮይኑ ብርትዓውን ንናይ ሰብ መሠረታዊ ሕቶ ናይ ምምላስ ብቕዓቱ ኣብ ኅልው ኩነት ዝነበር እንተድኣ ዘይኮይኑ፣ ኣብቲ ኵሉ ጸረ ዅሉ ዝኾነ ቃላት ዘስምዓሉ ተጋራጫዊ ዓለም ክጻወርን ክቃወምን ተኽእሎ ኣይክህልዎን” ዝበልዎ ሓሳብ ኣባ ካሮን ጠቒሶም ነዛ ቃል ብጹዕ ኣቡነ ክቡር ጁዛኒ መሠረት ገይርና፣ ነቲ ንሶም ዘነጸርዎ ብድሆ ክነሰንፍን እምነት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ተመክሮ ኮይኑ ብውልቅን ብሓባርን ዝነበር ክኸውን ከምዘለዎ ንምትሕስሳብ ኢዩ፣ እቲ ደስ ዘብል ኣጋጣሚ ድማ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት ዝእዘዝ ብምዃኑ እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ኣብቲ ናይ እምነት ዓመት ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሥልጣናዊ ኣስተምህሮታትን ምዕዳንን ዝህብትም መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ ኢሎም።
በዚ ተሓንጺጹ ዘሎ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ መሠረት ድማ እምነት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ምንባር ዝብልን ነዚ ዘብቕዕ ሕንጸት ንምቕራብን እምነት ኣብ ሓደ ኵሉ ሥፍራ ዝምስከር እምበር እምነት ዝንበረሉን ዘይንበረሉን ዝብል ፈረቓ ከምዘየለ ዘተሓሳስብን፣ ኣብ ቤት ትምህርትን ዕዮን ኮታ ኣብ ኩሉ እንዋፈረሉ መዳይ ክንነብሮን ከመይ ጌርና ክንነብሮ ከምዝግብኣናን፣ ኣብቲ ጭቡጥ ኩነት ናይ እምነት ጭቡጥነት መሰኻኽር ንምዃን ንዝብል ውሳኔ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ቤተ ክርስትያንን ከባቢ ቤተ ክርስትያንን ወጻኢ ቤተ ክርስትያንን ብዅሉ መዳይ እምነት ምንባር ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ኢዩ። እምነት ብቓልን ሕይወትን እናነበርካ ምምስካር ክርስትያናዊ ሓላፍነት ኢዩ። ብቓል ክበሃል እንከሎ ርትዓውነት እምነት ኣብ ምቕራብ ብቕዓት ክህልወና ዝብልን ብሕይወት ከበሃል እንከሎ ድማ ኣማኒ ወይ ድማ ዘይኣማኒ ምዃን ማለት ኢዩ፣ ሰለዚህ ክርስትያናዊ እምነትና ዘንጸባርቕ ሕይወት ምንባር ማለት ኢዩ። እቲ ሰሙናዊ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ እዚ ዘተሓሳስብን ነዚ ዝድግፍን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.