2012-02-04 14:33:00

ጳጳሳዊ ግረጎርያና መንበረ ጥበብ ፦ “ናብ ፍወሳን ተኃድሶን”


ሮማ ኣብ ናይ ቫቲካን ግዳመ ግዝኣታዊ ከባቢ ዝርክበ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ካብ ዕለት 6 ለካቲት ክሳብ ዕለት 9 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ንብጹዓን ጳጳሳትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ገዳማውያንን ንኣባላት ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራትን ዝሓቀነ ብዛዕባ ብውሑዳት ኣባላት ውፉይ ሕይወት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕፃናትRealAudioMP3 ዝተፈጸመ በደል ዘማእከለ “ናብ ፍወሳን ተኃድሶን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ካብ መላእ ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ ናይ 110 ሃገራት ቤት ምኽርታት ብፁዓን ጳጳሳት ልኡኻትን፣ ኣብ ሰበኻታት ዘገልግሉ ናይ ሥነ ኣእምሮ ሊቃውንትን ሓኻይም ሥነ ኣእምሮ ኮሚቴን ናይ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕቲ ሥነ ኣእምሮን ሊቃነ መናብርቲ ዝሳተፍሉ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እዚ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይቲ ዓውደ መጽንዕቲ ኣሰናዳኢት ኮሚቴን ኣብ ግረጎሪያና ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕቲ ሥነ ኣእምሮ ኣቦ ወንበር ኣባ ሃንስ ዞልነር ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ብውሳኔ ቅድስቲ መንበር ብኢየሱሳውያን ማኅበር ዝምራሕ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ፣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕፃናት ዝተፈጸመ በደል ‘ኣብ ኣካል ቤተ ክርስትያን ክፉት ስቓይ’ ቢሎም ዝሰመይዎ ዘሕዝንን ዘስካሕክሕ ዘቖጥዕን በደል ከመይ ጌርና ክንከላኸሎ? ንዝብል ሕቶ ግቡእ መልሲ ንምሃብ፣ ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዘገልግል መጋበርያ ንምቕራብን ምስ ልኡኻቶም ኮይኑ ዝዝትይን ንሊቃውንትን ናይቲ በደል ኣደዳ ንዝኾኑን ጽን ዝብል እውን ኢዩ።
እቶም ካብ መላእ ዓለም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ዝለኣኹ ተሳተፍቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታቶም፣ ብዛዕባ እቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዝፍጸም በደል ዝከታተሉ ኣካላት ክኾኑ እንከለዉ፣ ከምኡ እውን ሳላሳ ናይ ውፉያትን መነኮሳትን ማኅበራት ዋና ሓላፍትን ብዛዕባ ጉዳይ በደል ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝከታተሉን፣ ነቶም በደል ዝፈጸሙን ናይቲ በደል ኣደዳ ዝኾኑ ጥዕና ዝከታተሉ ሰማንያ ናይ ሥነ ሕገ ቀኖናን ሥነ ኣእምሮ ሊቃውንትን ሓኻይም ሥነ ኣእምሮን ዘሳትፍ ኢዩ።
እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ እምነት ዓንቀጽ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር፣ ብዛዕባ እቲ በደል ኣመልኪቱ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታትን ንናይ ውፉይ ሕይወት ማኅበራት ዘመሓላለፎ ናይ መምርሒ ሰነድ መሠረት ገይሩ፣ ነቲ ዝተፈጸመ በደል ዝምልከትን ብዛዕባ እቲ በደል ጥራሕ ዘይኮነ ናይቲ በደል ኣደዳ ዝኾኑ ሕፃናት ምሉእ ሰብኣውን መንፈሳውን ሥነ ኣእምሮኣውን ክንክንን ሕክምናን፣ ነቶም በደል ፈጸምቲ ሕክምና ሥነ ኣእምሮን ኅዳሴን ፈውስን ንምቕራብ ዘብቕዕ ከይዲ ዘነጽር እውን ኢዩ። በቲ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ እምነት ዓንቀጽ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ዘመሓላለፎ ናይ መምርሒ ሰነድ መሠረት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ከባቢኦም ጭቡጥ ኩነታት ግምት ዝህብ ዝኽተልዎ ናይ ውሽጢ መምርሒ ሰነድ ብሓፈሻኡ ዝምልከት ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ብፍላይ ነቶም ኣደዳ ዝኾኑ ሕፃናት ቀሪቦም ናይ ሥነ ኣእምሮ ሕክምና ደገፍ ዘቕርቡ ናይ ሥነ ኣእምሮ ሓኻይም ተመክሮ ዝሰምዕ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ኢዩ ኢሎም።
ብጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ድላይ ዝነቐለ ዓውደ መጽናዕቲ ኮይኑ፣ ካብ ቅድስቲ መንበርን ናይ እምነት ዓንቀጽ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበርን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበርን ንናይ ኣሕዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበርን ናይ ውፉይ ሕይወትን መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ዝተሰማምዑሉን ዘተባብዕዎን ከምዝኾነ ኣባ ዞልነር ገሊጾም፣ ቤተ ክርስትያን ነቲ በደል ብሱቕታ ከምዘይትርእዮን ዝምስክርን፣ እቲ ሕማም ካብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያንን ኅብረሰብን ካብ ሡሩ ክመሐው ዝከኣላ ኵሉ ከምእትገብር ዘረጋግጽ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.