2012-02-02 13:30:28

ናይ ሃይማኖት ናጽነት መሠረት ኵሉ ናጽነታት ኢዩ


ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓሊ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር መሥራቲ ዕለት 17 ጥሪ 1913 ዓ.ም. ኣብ ነዘርላንድ ዝተወልዱን ዕለት 31 ጥሪ 2003 ዓ.ም. ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሜኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ኵለ መዳያዊ ጸረ ክርስትና ምቅስቓሳትን ጎነጻትን ምስፋሕ ነገርነትን ኢእግዚኣብሔርነትን RealAudioMP3 ኣለልዮም፣ ዘርኢ ሰብ ብኑባሬ ዝተቐበሎ ዝንባሌ መንፈሳውነት ዝጻረር ባህሊ ዘስዕቦ መጉዳእትን ናይ ሕይወት ሓደጋን ተቓዊሞምን ኰኒኖምን ነቶም በዚ ሓደገይና ጸረ ሰብኣዊ ባህሊ ዝጉድኡ ማኅበረ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ኵለ መደያዊ ደገፍ ንምቕራብ ሓቂኖም ዝተዓጥቁ ወዲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣባ ቨረንፍራይድ ቫን ስትራተን ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለይሉ ታሽዓይ ዓመት ምኽንያት ናይ ምሥራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅይነተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣባ ስራተን ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ 1947 ዓ.ም. ነቶም ካብ ምስራቕ ጀርመን ሕይወቶም ካብ ሓደጋ ከድሕኑ ዝተሰዱ መብዛሕቶም ካቶሊካውያን ምእመናን ዝርከብዎም ዓሰርተ ሹድሽተ ሚሊዮን ጀርመናውያን ንምድጋፍ ካብ ቤልጅምን ሆላንድን ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣተኣኻኺቦም ዘንቀልዎ ግብረ ሠናይ ብዘሕደረሎም ተመክሮ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ዝወርድ ዝነበረ ስደትን መከራን ኮኒኖም ሓልዮ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ማኅበር ዝመሥረቱ ከምዝኾኑ ዘኪሮም፣ ኣብታ ካብ ውግእን ሥርዓት ዴስነስትን ስደትን መከራን ዝወጸት ሓዳስን ኤውሮጳ እቲ ዝሓለፈ ውግእ ሓዲግዎ ዝሓለፈ ኵለ መዳያዊ በሰላታት ምስ ዘለለዩን ናይታ ኤውሮጳ ልሳን ምስ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓቢሮም ኃይልን ድምጺ ኵሎም ሕዙናትን ዝተነጸሉን ድኻታትን ኮይኖም ነቶም ዝሳቐዩ ማኅበረ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያን ደገፍ ኣብ ምቕራብ ሓቂኖም ነዚ ዕላማ ዝዓዪ ናይ ጳጳሳዊ ሕጋዊ ሥልጣን ለበስ ተግባር ኣቝይሞም፣ ኣብ ኤውሮጳ ከይተሓጽሩ ኣብ ላቲን ኣመሪካን እስያን ኣፍሪቃን እቲ ናይ ግብረ ሠናይ ተልእኾ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝገበሩ እውን ብፁዕ ካርዲና ሳንድሪ ከምዝዘከሩ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።
ናይቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ሓልዮ ጨንፈር ኢጣሊያ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሳንተ ባቦሊን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እዚ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ነታ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ምሉእ ደገፍ ክገብር ዘቐረብዎ ለበዋ መሠረት ነታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ስደትን መከራን ቀረባ ኮይኑ ኵለ መደያዊ ሓገዝ ንምቕራብ ከምእተንቀሳቐሰ ከዘኻኽሩ እንከለዉ፣ ናይቲ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ጨንፈር ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪ ማሲሞ ኢላርዲ ብወገኖም እዚ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ኣብ 153 ሃገራት ዝተዋፈረን ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ መደብ ልምዓትን ሕንጸትን የሳልጥ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም፣ እቲ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር ነቶም ብእምነቶምን ሃይማኖቶምን ስደትን መከራን ዘጓንፎምን ማኅበረ ክርስትያንን ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያንን ቀረባ ኮይኑ፣ ናይ ሃይማኖት ናጽነት መሠረት ናይ ኩሉ ናጽነታት ኢዩ ብዝብል እማኔ ተለዓዒሉ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ነቕ ዘይብል መሠረት ኢዩ። ሕንጸት መሠረት ሃይማኖት እውን ዘካይድን ነዚ ዕላማ ዝድግፍ መጻሕፍቲ ዘሰናድውን “ቅዱስ መጽሓፍ ንሕፃናት” ብዝብል ኣርእስቲ ልዕሊ 45 ሚሊዮን ብ 136 ቋንቋታት ተገርጒይሙ ከምዘቕረበ ኢላርዲ ገሊጾም።
ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣብዚ እዋን ኣብ ዒራቕን ህንድን ናይጀርያን ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያንን ኣብያተ ክርስትያንን ዝፍነው ዘሎ ዓመጽ ምኽንያት ንዝሳቐ ህዝቢ ንምድጋፍ እቲ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር ተዋፊሩ ናይ ሃይማኖትን ባህልን ናጽነት ክኽበር የነቓቕሕ ከምዘሎን ብዘይ ኣፋላላይ ብሃይማኖቶም ንዝስደዱን ዝሳቐዩን ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ኣብ ምቕራብ ተዋፊሩ ከምዘሎ ከምዝዘከሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.