2012-01-26 14:25:03

ደቡብ ሱዳን፣ ሓድሽ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ወኪል


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ወዲ ዚምባብዌ ራይሰዶን ዛነንጋ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ልኡኽ ንኽኮኑ ከምሰመይዎም RealAudioMP3 ኣጊኣፍሮ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ዛነንጋ ናይ ምሽምጋልን ገላጋልነትን ናይ ዘተ መድረኽ ናይ ምርግጋጽ ብቕዓቶም ዝነኣድ ምዃኑን ዝተፈላለዩ ናይ ሕድ ሕድ ምስሕሓባት ሰላማዊ ፍታሕ ክረኽቡ ዝገበሩን፣ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ናይ ምውህሃድ ብቕዓቶም እውን ዓለም ለኽዊ ተፈላጥነት ዘለዎን ኣብ ሶማሊያን ላይበርያን ዒራቕን ኩወይትን ሰራሊዮንን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ልኡኽ ኮይኖም ከምዘገልገሉን ኣብዚ ተልእኾ ናይ 28 ዓመታት ተመክሮ ዘለዎም ምዃኖም ኣጊኣፍሮ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.