2012-01-26 14:22:30

ኬንያ፣ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ጻውዒት


ንምርጫ ዝቐርባ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ናይ ምረጹኒ ወፈራታተንን ሕዝባዊ ምርጫን ሰላማዊ ክኸውን ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ሊቀ መንበር RealAudioMP3 ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ዘከውስ ኦኮዝ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክንገር እንከሎ፣ ድሕሪ ምጽዳቕ ሓድሽ ቅዋም ሃገረ ኬንያ ንዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባት ሰላም ዝዓሰሎ ክኸውንን ኣተሓሳሲቦም እቲ ኣብ 2008 ዓ.ም. ድሕሪ ኣብቲ እዋን ዝተኻየድ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቢ ዝተኣታተወ ሕዝባዊ ዓመጽ ደው ንምባል ተባሂሉ ዝቖመ ናይ ሃገራዊ ሓድነት ብሔራዊ መንግሥቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እቐዲሙ እንተድኣ ካብ ተልእኾኡ ዘይወሪዱ እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013 ዓ.ም. ክካይድ ናይ ኬንያ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ከምዝሃበ እንክፍለጥ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኦኮዝ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት “ምቅርራብ ኬንያ ናብ ሕዝባዊ ምርጫ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላምን ርክባትን ጉዳይ ሓልዮ ተቛም ኣብ ዘዳለዎ ሃገራዊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ዜጋታት እቲ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ጎስጓስ ብሰላም ክነብርዎን፣ ብፍላይ ድማ ብዓቢ ሓላፍነት ክምልከትዎን ናይ ኬንያ ሓድሽ ቅዋም ሃገር ክኽብሩን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት መራሕቲ ናይ ሓቀይና መርሕነት ኃላፍነት ተሰኪሞም ከይፈርሑ ኣብ ሰላም ዝቖመ ፖለቲካዊ ውደራ ንምክያድ ተባዓት ክኾኑ ይግባእ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።
እቲ ኣብ 2008 ዓ.ም. ዝተረእየ ዘስካሕክሕ ሕዝባዊ ውጥረትን ዓመጽን ሓዲግዎ ዝሓለፈ ሕድ ሕዳዊ ጽልእ ከይበራበር ዘብቕዕ ሃገራዊ ስኒት ምርግጋጽ እዩ ዘድሊ፣ ስለዚህ ናይ ሰላም ባህሊ ምስፋሕ ይግባእ። ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝብል ዕላማ ዝቖመ ናይ ሕባዊ ምርጫ ጎስጓስ ክህሉን፣ ናይ ሕይወትን ዘተን ባህሊ ክተባባዕ ቤተ ክርስትያን ዘቕረበቶ ምዕዳን እውን ዘኪሮም፣ መራሕቲ ናይ ሕይወት መሰልን ክብርን ከረጋገጹን ካብ ምግባረ ብልሽውና ክርሕቝን ንዓመጽ ዘይድርኽ ነጻን ቅኑዕን ሕዝባዊ ምርጫ ክፍጸም ክዓዩ ከምዘተሓሳሰቡ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.