2012-01-26 14:20:27

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፦ ፍታሕ ዝሰኣነ ውሳኔ ስምምዕ ምርጋፍ ኣጽዋር ኑክሊየር


ብዛዕባ እቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ዘይተገብረሉ ውሳኔ ምርጋፍ ኣጽዋር ኣመልኪቶም ኣብ ጀኔቭ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማዚ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ጀነቭ ኣጽዋር ኑክሊየር ዘማእከለ ‘እገዳ ምምራት RealAudioMP3 ኣቶሚክ ቦምቢ’ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝተየ ዋዕላ ከምእተሳተፉ እንክፍልፈጥ፣ ብፁዕነቶም ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ፓኪስታን ምስ ህንዲ ዘለዎ ርክብ ከስግኦ ከምዝኽእል ኣብ ዝገልጽ ሓሳብ ተመርኲይዛ እቲ ጉባኤ ኣብ ሓደ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ከይበጽሕ ከምዝገበረትን እቲ ተፈናጫሊ ሓደገይና ቦምቢ ንኸይምረት ዝድርኽ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ከይጸድቕን ፍታሕ ዝሰኣነ ከምዝኸውን ገና እቲ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ዝተነጸረ ሓሳብ ኢዩ ኔሩ። ስለዚህ እቲ ጉባኤ ተኣማኒ ከይከውን ዝገብሮን፣ ንዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ብዛዕባ እገዳ ኣጽዋር ኒክሊየር ናይ ስምምዕ ሰነድ ክቕርብ ዘይክእል ኮይኑ ስለ ዘሎ፣ ብዙሓት ሃገራት እዚ ማኅበር ንዝገብሮ ዋዕላ ዝጥፍእ ገንዘብ እውን ርኢኻ፣ ኣብ ስምምዕ ዘይበጽሕ ኣተድኣ ኮይኑ ካብ ከምዚ ኢልካ ምቕጻል እቲ ርእሰ ጉዳይ ንሕቡራት መንግሥታት ጠቕላሊ ጉባኤ ክመሓላለፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ የቕርባ ኣለዋ።
ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ኣጽዋር ኑክሊየር ዝነበረን ሃገራት እተን ኣብ ዓለም ኃያላት ዝበሃለ ሓሙሽተ ሃገራት ኢየን ኔረን፣ ሎሚ ግን ቁጽሪ ወንነንቲ ኣጽዋር ኣቶሚክ ሃገራት ክብ እናበለ ብምኻዱ እዚ ናይ ሞት ባህሊ ዘስፍሕ ኣጽዋር ንምእጋድ ዝግበሩ ኣኼባታት ኣብ ውጽኢት ክበጽሕ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ብተደጋጋሚ ዘርእዮ ፍሽለት ናይቲ ሓደገይና ኣጽዋር በዓል ንብረት ንኽትከውን ዘተባብዕ እናኾነ ኢዩ ዘሎ። ክእገድ እንተድኣ ዘይተኽኣለ ንምምራቱ ደገፍ ይግበር ኣሎ ማለት ኢዩ። ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብዚ እዋን እቲ ዘስግእ ናይ ገለ ገለ ሃገራት መራሕትን ናይ ገበን ጉጅለታት ከይጥቀምሉ ኢዩ። ስለዚህ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታውን ናይ ሕይወት ባህሊ ብምኽባር ኣብ ሓደ ውሳኔ ክብጻሕ ናይ ግድን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.