2012-01-24 14:18:13

መሰልን ፍቓድን ናይ ኅሊና ተቓውሞ ክኽበር


ናይ ሰሜን ኣመሪካ መንግሥቲ ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ መላእ ናይታ ሃገር ኣባይቲ ሕክምናን ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ሕክምና እውን ኣፋውስ መከላኸሊ ጥንስን ጽንሲ መነጸልን ናይ ምቕራብ RealAudioMP3 መደብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ናይ ርእሰ ብሔር ኦባማ መንግሥቲ ዘመሓላለፎ ውሳኔ በቲ ናይታ ሃገር ሕገ መንግሥቲ ውሑስ ዝኾነ መሰል ፍቓድን ናይ ኅሊና ተቓውሞን ከምኡ እውን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝግህስ ከምዝኾነ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሓሳብ ኣመልኪቶም ኣብ ሮማ ትረ መንበረ ጥበብ ናይ ሕገ ቀኖና መምህር ናይ ሥነ ሕጊ ሊቅ ካርሎ ካርዲያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ውሳኔ መንግሥቲ ኦባማ ናይታ ሃገር ሕገ መንግሥቲ ዘየኽብር ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ውሳኔ ዝቃወም እውን ኢዩ። እቲ ሉኣላውነት ክብሪ ሃገር ውትሩ ክኽበር ካብ ዝብል ካብ ናይ ምክልኻል ክብሪ ሃገር ዝነቕል ውሳኔ ብሔራዊ ኣገልግሎት ውትህድርና እውም ከይተረፈ ናይ ኅሊና ተቓውሞ ዘኽብር ኮይኑ ኢዩ ተሓንጺጹ። ስለዚህ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ዘጠቓልሎ ናይ ኅሊና ተቓውሞ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ምርኣይ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ብምዃኑ፣ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣስተንቶ ክግበረሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ኢዩ ዘተሓሳስብ። እንተዘይኮይኑ ግና ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ውሳኔ ኵላውነቱ ንሓደጋ ምቅላዕ ኢዩ ዝኸውን ኢሎም።
መሰል ናይ ኅሊና ተቓውሞ ብይጽንሓለይ ክትሓዝ እንከሎ፣ እቲ መሰንል ፍቓድን ክብርን ዘይኮነስ፣ ኣብ ፍሉይ ኩነት ዝፍጸም ይግባይ ዝኾነ ጽንሲ ናይ ምንጻል ውሳኔ እናተብሃለ ጽንሲ ምንጻል ፍቑድ ክኸውን ዝተገብረን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፣ ሰላሕ እናበለ ጽንሲ ምንጻል ክፍሊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ናብ ምዃኑ ገጹ ኢዩ ዝመርሕ። እዚ ድማ ነቲ መሰል ናይ ኅሊና ተቓውሞ ክብሪ ዘይብሉ ኮይኑ ክተርፍ ዝድርኽ መገዲ ኢዩ።
ናይ ሃይማኖት ነጻነት ሃይማኖታዊ መንነትን ክሕሎን ክኽበርን ኣለዎ። እዚ መንነት ዝብል ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ቓል፣ መለለዪን መትከላዊ ወይ ድማ መሰረታዊ ሕጊ ዝምልከት ኢዩ። ስለዚህ መለለይን መሠረታዊ ሕጊ ዝብል መንነት ንገለ ገለ ፍልይ ዝብለ መትከል ንዘለዎ ብድላይ መንግሥትን ካልኦትን ዝጸድቑ ዓንቀጻት ፍትሃ ብኄር ክንብርከኽ መሰል ህልውና ሃይማኖታት ምኽሓድ ማለት እዩ ዝኸውን፣ ስለዚህ እቲ ውሳኔ ናይ ሰሜን ኣመሪካ መንግሥቲ መሰልን ክብርን ተቓውሞ ኅሊና ዝግህስ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.