2012-01-24 14:07:09

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኵባ ዘይርሳዕ ታሪኽ ከምዝኸውን ይንገር።


ቅዱስ ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 28 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ኵባ ንኸካይድዎ ተወሲኑ ዘሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ቆላሕታ ይስሕብን ውዕዉዕ ትጽቢት ይገበረሉን ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 23 ጥሪ 1998 ዓ.ም. RealAudioMP3 ኣብ ኵባ “መንእሰያት ኵባ ክርትያናዊ እምነቶም ብዘይ ፍርሒ ኣብ ሓቅን ነጻነት ተተባቢዖም ክምስክሩ” ኣብ ካማጒይ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዕዳን ዘቕረብሉ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ስዒቡ ልክዕ ድሕሪ 14 ዓመት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኩባ ንዝፍጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኵባ ልኡከ መንግሥቲ ኤድዋርዶ ደልጋዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ኵባ ንሕዝቢ ዓቢ ዘይርሳዕ ማሕታዊ ኩነት ከምዝነበረን፣ ካብዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንዳሓር ኣብታ ሃገር በዓለ ልደት ከም ብሔራዊ በዓል ኮይኑ ክብዕልን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ክሌኣዊ ርክባትን ኣብ ዝምልከቱ ሕቶታትን ርእሰ ጉዳያትን ዝተደገፈ ኣብ መንጎ መንግሥትን ኣብ ኵባ ምስ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘተን ርክባትን ዘበገሰ ምዃኑን ሓቢሮም ሕዝቢ ኵባ ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘለዎ ፍቕሪ ልዑል ኢዩ ኢሎም።
እቲ ቅድሚ 14 ዓመት ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተፈጸመ ሓዋርያዊ ምብጻሕን እዚ ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኵባ ዝፍጸም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝተተሓሓዝዘን ኵለ መዳያዊ ቀጻልነት ከምዘለዎ ዘይሰሓት ኢዩ፣ ሰለዚህ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ’ዚ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እወታውን ጽቡቕን ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ። መንግሥቲ ኵባ 3 ሺሕ ዝግመቱ እሱራት ናጻ ከምዝለቐቐን ዝንገር ዘሎ ዜና ጠቂሶም፣ በቲ ሓደ መዳይ ናይታ ሃገር ምልክታ ሉኣላውነት ባህርይ ዘረጋግጽን፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ሰብኣውነት ባህርይ ዘለዎ ኢዩ፣ ስለዚህ መንግሥቲ ዝህቦ ውሳኔ ምሕረት፣ ሓድሽ ዘይኮነስ፣ ልሙድ ተግባር ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ካብቶም ምሕረት ዝተገበረሎም ንላዕሊ ብዙሓት ካብ ቤት ማእሰርቱ ናጻ ከምእተለቁ እውን ዘኪሮም፣ ዝሓመሙ ኣረጋውያንን ብሥራሕን መጽናዕትን ኣብ ማኅበራዊ ሕይወት ጠባዮም ከተኻኽሉ ዝተኣመነሎምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብነታዊ ሕይወት ዘንጸባረቑን፣ ዝተኣረሙን ቤተሰብ እሱራትን ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያንን ብፍላይ ድማ ኣብ ኵባ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንዘቕ ረበቶ ናይ ምሕረት ሕቶ ግምት ዝሃበን ብኻልእ መዳይ እውን ቅዱስ ኣቦና ንዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካብ መንግሥቲ ኵባ ዝተውሃቦ ሰብኣውነት ዘማእከለ ምልክታ ሠናይ ፍቓድ ዘለዎ እወታዊ ምላሽ ኢዩ። ስለዚህ ፖለቲካዊ ምልክታ ዘለዎ ውሳኔ ኣይኮነን ኢሎም።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንሕዝብን መንግሥትን ኵባ ዓቢ ክብሪ ኢዩ። ከምቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣሰር ዝሓደገ ዘይርሳዕ ታሪኻዊ ተዘክሮ ኮይኑ ድማ ክተርፍ ብዓቢ ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣቀባብላ ከምዝግበረሎም ብስም መንግሥቲ ኵባን ሕዝብን ብስመይን ከረጋገጽ እፈቱ ኢሎም።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ወትሩ ብዓቢ ሓልዮት ዝተሰነየን ብዙሓት ዓበይቲ ትጽቢታት ብዘሕድር መንፈስ ኢዩ። እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስታ ብገፈፍቲ ዓሳ ዝተረኸበትን መበል 400 ዓመታ ዝበዓለላ ዘሎ ምስሊ መፍቀሪት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኮብረ ካብ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ.ም. ኣብ መላእ ደሴት ኵባ እትፍጽሞ ብሔራዊ ዑደት ምስ ዝጠናቐቐሉ በዓል ዝተተሓዘ እውን ብምዃኑ ኣብ ሕዝቢ ኵባ ዓቢ ተስፋ ዝተነበረሉ እውን እዩ።
ዘይሃይማኖታዊ መንግሥቲ ኵባ ምስ ቅድስቲ መንበር ክሌኣዊ ርክባት ካብ ዝጅምር እነሆ ካብ 70 ዓመት ንላዕሊ ኮይንዎ ኢዮ፣ ዘይሃይማኖታዊ ኣመለኻኽታ መንግሥቲ ኵባ ነተን ኣብ ሃገረ ኵባ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያን ዕሊ ኢዩ። ከም ሓቂ እውን እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ትምህርቲ ዓንቀጸ ሃይማኖት ቅዉም ነገሩ ኣብ ናይ ኵባ ሕዝባዊ ባህልን ኣግባብ ኣተሓሳስባን ዘሎ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦናን ቅድስቲ መንበርን ብዛዕባ ጭቡጥ ኩነት ኵባ ኣነጺሮም ዝፈልጡ ኢዮም፣ ሓዋርያዊ መንበር ንኵባ ዘለዎ ሓልዮት ዘሕጉስ እውን ኢዩ፣ እቲ መበል 76 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ኣብ መንጎ ኵባን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ርክብ እወታዊ ኢዩ፣ ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሕዙ ኣብ መሥርሕ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ኩባ ዝተደንገገ ማዕቅብ ክሕከኽ ቅድስቲ መንበር ከይተሓላለት ድላያ ካብ ምግላጽ ዓዲ ከምዘይወዓለት እውን ዘኪሮም፣ ንሕዝቢ ኵባ መንፈሳውን ሰብኣውን ድጋፍ እተቕርብ ምዃና ዘኪሮም፣ እዚ ሕዝቢ’ዚ ንቅዱስ ኣቦና ክርእን ሥልጣናዊ ምዕዳኖምን ኣስተምህሮታቶምን ጽን ክብል ብዓቢይ ሃንቀውታ ኢይ ዝጽበዮም ዘሎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.