2012-01-21 13:50:15

ምስንዳው ንመበል 20 ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኅሙማን


ናይ ሓለዋ ጥዕና ሰብ ሙያን ኅሙማንን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዚሞውስኪ ኣብ ኢጣሊያ ርእሰ ሰበኻ ቨሮና ሰበኻ ስካሊጀራ ብምኽትሎም ኣባ ኣውጉስቶ ቸንዲ ተሰንዮም ንመቀራረቢ ዕለት 11 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ዝብዕል መበል 20 ዓመት RealAudioMP3 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኅሙማን መሰናደዊ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ከምዝጀመሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕነቶም ካብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤ ወጻኢ እውን ካብታ ናይታ ከተማ ሰለስቲ ኣባይቲ ሕክምናን ክልተ ናይ ቨሮና ሰበኻ መእለዩ ኅሙማን ዝተዋጽኡ ሰብ ሙያ ሕክምናን ሓኻይምን ተራኺቦም፣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዝተደገፈ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ከምዝለገሱን፣ ናይቲ መበል 20 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኅሙማን መርሕ ቃል “ተንስእ እሞ ኪድ እምነትካ ኣሕውየትካ” ዝብል ወንጌላዊ ቃል ከምዝኾነ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕ ኣቡነ ዞሞውስኪ ቅድሚ ትማሊ ንጎሆ ምስ ናይ ቨሮና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁዜፐ ዘንቲ ከምእተራኸቡን፣ ቀጺሎም እውን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ መጥመቕ ዘ ሮሲ መንበረ ጥበብ ሥነ ሕክምናን ነቲ ተቛም ቤት ሕክምናን በጺሖም ምስ ሓለፍትን ሰብ ሙያ ሕክምናን ኅሙማንን ተራኺቦም፣ ኣብ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተደገፈ ናይ ኅሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣስተምህሮ ከምዝሃቡን ትማሊ ንጎሆ ኣብ ቦርጎ ትረንቶ ዝርከብ ናይ ሥነ መትኒ ቤት ሕክምና ሓለፍትን ተመራመርትን ተራኺቦም ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ርክብ ብመሠረት ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ኣደጊፎም ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሥነ ማርያምነትን ጽኑዕ ተኸላኻሊ ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.