2012-01-17 17:28:53

መልአከ እግዚአብሔ ጸሎት ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድሚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ምስ ምእመናን ሐቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ከም ዝደገሙ ክዝከር ከሎ ፡ ሰንበት ዓለም ለኸ መበል 98 ዕለተ ስደተኛታት ተሐሲቡ ከም ዝውዓለ ክፍለጥ እንከሎ ክአ ድሕሪ መልእከ እግዚአብሔር ጸሎት ስደተኛታት አመልኪቶም መግለጺ ሂቦም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘገንዘብዎ ስደተኛታት መመላእታ ቁጽሪ አይኮኑን ሰላም ዘለዎ ቦታ ዝደልዩ ሰባት ኢዮም።

ሰብአዊ መሰሎም ክሕለወሎም ከም ዝግባእ አብ ሕብረተ ሰብ ዝወሀሀድሉ ኩነታት ክፍጠር አብ ስራሕ ክዋፈሩ ዕድል ክውሀቦም ክአ ተማሕጺኖም ።

አብዚ እዋን”ዚ ሕጻናት ሽማግለታት ደቀ ንስትዮ አብ ስደት ከም ዝርከቡን ዓለም ለለኸ ማሕብረ ሰብ ንጉዳይ ስደተኛታት አቃልቦ ክህብን ከአ ተማሕጺኖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ናይቲ አብ ከተማ ሮማ ሚግራንተስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንሐልዮ ስደተኛታት ዝቆመ ማሕበር አውራ ዳይረክተር ብፁዕ አቡነ ጂያንካርሎ ፐረጎ ብዛዕባ”ቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንስደተኛታት አመልኪቶም ፡አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዘስምዕዎ ዲስኩር አመልኪቶም ርእይቶ ክህቡ እንከለዉ ከም ዝብለዎ ፡ በነዲክቶስ መበል 16 አብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ስደተኛታት ሰብአዊ ግርማን ክብርን ዝተ ሐተሐለወ ክኸውን ሰብ ክቡር ምኻኑ ዘስመርሉ ጉዳይአዝዩ ጠቃምን እዋናውን ከም ዝኾነ መግለጺ ሂቦም።

ናይ ፖሊቲካ ሰባት ጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ንጹር ዝኾነ መምርሒ ከም ዘይህቡን ስደተኛታት ካብቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝገደፍዎ ሀገር ዘይሐይሽ ከም ዘጋጥሞም እዚ አዝዩ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሀገራት ንጉዳይ ስደተኛታት ሰለል ክብላ ከም ዝርአያን ክአ ገሊጾም።

ብጹዕ አቡነ ጂያንካርሎ ፐረጎ ከም ዘመልከትዎ ሚግራንተስ እቲ ንሐልዮ ስደተኛታት ዝቆመ መንግስታዊ ዘይኮነ ግብረ ሰናይ ማሕበር ንስደተኛታት ንዋታውን ሞራላውን ደገፍ ከም ዘቅርብ ቋንቋን ናይቲ ዝርከብዎ ሀገር ባህሊን ከም ዝምህር ሐበሬታ ሂቦም።

ብካልእ ወገን አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ናይ ከተማ በርጋሞ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ፍራንቸስኮ በስኪ ፡ ብምኽንያት ሀገራት ሐቆፍ ዕለተ ስደተኛታት ዝሀብዎ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ፡ አብ ኢጣልያ ዝውለዱ ሕጻናት ብቅጽበት ዜግነት ጣልያን ስለ ዘይውሀቦም ክትርድኦ ዘሸግር ሕገ መንግስቲ ምኵኑ ተማሪሮም።

ሰብአዊ መሰል ሰብ ካብብዚ ከም ዝጅምር አመልኪቶም ክአ ሰብአዊ ምዕባሌ ከም ዝግታእ ካብዚ ክትርዳእ ትኽእል ብማለት መገለጺ ከም ዝሀቡ ካብ ከተማ በርጋሞ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

አተሐሒዞም አብ ልዕሊ”ዚ ልዕሊ ሐሙሽተ ዓመት አብ ጣልያን ዝነብሩ ወጻእተኛታት አብ ሀገራዊ ምርጫ ክስተፉ ከም ዝግባእ አመልኪቶም።

ብኻልእ ወገን ናይ ጣልያን ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጣልያን ንስደተኛታትን ንወጽእተኛታትን እትህቦ ሰብአዊ ንዋታዊ ሞራልውን ሐገዝ አድኒቆም ወዲሶም ከም ዘመስገኑ ክአ ተነጊሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.