2012-01-14 14:12:22

ደቡብ ሱዳን፣ ዓሌታዊ ግጭት


ኣብታ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ሉኣላውነታ ዝኣወጀት ሓዳሽ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ምርግጋእን ሰላምን ኣዚዩ ዝረሓቐ ከምዝመስል ዝሕብር ኣብ’ዚ እዋን ዝረኤ ዘሎን RealAudioMP3 ብብዝሒ ሕፃናትን ደቀ ንስትዮን ዝረከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዝርከብ ልሙዕን ሓምላይ ከባቢ ንምቁጽጻር ዝኣመተ ተባሪዑ ዘሎ ዓሌታዊ ጎነጽ ከምዘረጋግጾ እንክፍለጥ፣ ብዛዕባ እዚ ተከሲቱ ዘሎ ዓለታዊ ግጭት ኣመልኪተን ናይ ሥነ ሱዳን ሊቅ ኢረነ ፓኖዞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ክሳብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት እቲ ዕሥራ ዓመት ኣብ ናይ ውሽጢ ሕድ ሕዳውን ምስ ሰሜን ሱዳንን ኣብ ዝቐጸለ ውግእ ተሓሚሱ ዝነበረ ደቡብ ሱዳን ተነቃፍ ከባቢ ኢዩ። እቲ ናይታ ሓዳሽ ሃገር ደቡብ ሱዳን ዝሓለፈ ኩነት ግምት ከይሃብካ ኣብ ናይ ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ውግእን ግጭት ጥራሕ መሠረት ገይርካ ናይቲ ከባቢ ሕቶ ክራኤ ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ቀንዲ ክርአ ዘለዎ ጭቡጥ ኩነት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ እናተኾላለፈ ዝቕጽል ብማዕድን ዝሃብተመን ከምኡ እውን እቲ ልሙዕ ከባቢ ንምቁጽጻር ዝሓለነ ሕድ ሕዳዊ ግጭት፣ ብርግጽ መፍትሒ ንኸይረክብ መሠረታዊ ግደ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት’ታ ሃገር ሕጂ እውን ንሞት ሓደጋ የቃልዕ ኣሎ።
እታ ሉኣልውነታ ብውሳኔ ሕዝቢ ዘረጋገጸት ደቡብ ሱዳን ናይ ሓደ ሃገር ሃገራውነት ዝስዕቦ ብድሆታት ገጢማ ክትኽእል ይግብኣ፣ ስለዚህ ትሕቲ ቅርጽታት፣ ኣቲ ዝዓበየ ድማ ናይ ሕንጸት ተሕቲ ቅርጽታት ከተረጋገጽ ይግባእ። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ርእሰ ከተማ ጁባ ድሕሪ እቲ ምስ ሰሜን ሱዳን ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ መሠረት ገይሩ ኣብ ዝተረጋገጸ ናይ መሠጋገሪ እዋን ዝተሓንጸጸ ቅዋም ሃገርን ንጥልቂ ክለሰ ዘተኮረ ኣኼባ ከምእተኻየደ ሓቢረን፣ እቲ ቅዋም ሃገር ነቲ ሓድሽ እዋናዊ ጭቡጥ ኩነት ተወኪሱ ክኅደስ ኣለዎ።
እቲ ኣብታ ሃገር ንዓሌታዊ ግጭት ዝድርኽ ዘሎ ቢለን ዝጠቐሰኦ ቀንዲ ምኽንያት ብኻልእ መዳይ እውን ናይ ሥልጣን ምፍሕፋሕ ዝኸወለ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ናይ 2005 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ዝቖመን ድሕሪ ነጻነት ኣብታ ሃገር ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሩ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እቲ ዓውደ ዓሌታዊ ግጭት ኮይኑ ናብ ዘሎ ቦታ ብመጓዓዝያ ነፈርቲ እንተዘይኮነ ብመሬት ንምብጻሕ ኣዚዩ ኣሸጋሪ ከባቢ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ኃይሊ ዓቃቢ ሰላምን ነቲ ከባቢ ብቐሊሉ ንምቁጽጻሩ የጸግሞ ኢዩ።
በዚ ተባሪዑ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ዝተመዛበሉ 60 ሺሕ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ሓገዝ ንምቕራብ ይጽዓር ከምዘሎ እውን ሓቢረን፣ ደገፍ ንምቕራብ መጓዕዝያ ነፈርቲ ክትጥቀም ግድን ኢዩ፣ ስለዚህ እዚ ጉዳይ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ንዝግበር ጻዕሪ ዘደናጒዮ ኣሎ ምስ በላ፣ ናይታ ሃገር መንግሥቲ ኃይሊ ምክልኻል ኮነ ኃይሊ ዓቃቢ ሰላም፣ ሰላም ንምርግጋጽ ዝገብሮ ወተሃደራዊ ጻዕሪ ብቝዕ ኣይመስልን እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.