2012-01-14 14:14:28

ኅብረት ኤውሮጳን ሓድሽ ቅዋም ሃገር ሃንጋርን


ካብ ዕለት ሓደ ጥሪ 2012 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ ሃንጋሪ መሠረታዊ ሕጊ ብዝብል መጸውዒ ሓድሽ ዝጸደቐ ቅዋን ሃገር ዘጠቓልሎም ገለ ገለ ዓንቀጽ፣ ብፍላይ ሓሳብን ርእይቶን RealAudioMP3 ናይ ምቕራብን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ከምኡ እውን ናይታ ሃገር ማእከላዊ ባንኪ ቤት ርእሰ ምሕደራ ዝድርቱ ኢዮም ተባሂሉ ዝንገረሎም ኣብ መንጎ’ታ ሃገርን ኅብረት ኤውሮጳን ክርክር የለዓዕል ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ቅዋም ሃገር ምኽንያት ክርክር ዝኾነ ዘጠቓልሎም ዓንቀጽ ኣመልኪቶም ኣብ ሃንጋሪ ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ርእሰ ሰበኻታት ሊቀ ጳጳሳት ሓጋዚ ብፁዕ ኣቡነ ዣኖስ ስዘከልይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝጸደቐን ካብ ሕደ ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣትሒዙ ገቢራዊ ኮይኑ ዘሎ ቅዋም ሃገር ሃንጋሪ መእተዊ ብሽም እግዚኣብሔር ዝጅምርን ዕቃበ ክቡር ዋጋ ሕይወት ካብ ምጽናስን ባህርያዊ ሞትን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ምሉእ ሕይወት ቃል ኪዳንን በዚ ቃል ኪዳን’ዚ መሠረት ዝቐውም ሥድራ ቤት ሓልዮን ምክልኻልን ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለን ንሥድራ ቤት ብዘለዎ ብዝሒ ኣባላትን ንውላድ መምሃሪ ዝኽፈል ክፍሊት መሠረት ንመንግሥቲ ዝኸፍሎ ግብሪ ክውሰን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብን ሥድራ ቤት ናይ ሓደ ሕዝቢ መሠረት ኅላዌ ኢዩ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ዓይነት ሓሳብ ብዙሓት ኤውሮጳውያን ምሁራት ዘይድግፍዎ ሓሳብ ኢዩ። መንግሥቲ ሃንጋሪ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ስዘከልይ፣ ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ግምት ብምሃብ ኣባይቲ ባንኪ ተወሳኺ ጊዚያዊ ግብሪ ክኸፍላ ዝውስን መምርሕን መጠን እቲ ቀረጽ ዝገልጽ ሓሳብ ዘጠቓለለ ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ቁጠባ ዓለም ዘተሓሳስብ ኢዩ።
እዚ ሓድሽ ቅዋም ሃገር ብዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ነቐፌታ ኢዩ ዝወሃቦ ዘሎ። መሠረት ነቐፈታ ግን እቲ ኣብ ሃገራት ኅብርት ኤውሮጳ ንናይ መርበብ ሓበሬታ ኅትመት ዜና መቆጻጻሪ ቢለን ዝኽተልኦ ሕጊ ንናይ ኅትመት ጋዜጣታት ክውዕል ዝብል ዘጠቓለሎ ሃሳብ ኢዩ። ናይ ሃንጋር ኣኽባሪ ሕገ መንግሥቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ርእይቶን ገለ ገለ ጋዜጣታት ኤውሮጳ ኣውን ብዝሃባሉ ሓሳብ መሠረት እቲ ንናይ መራኸቢ ብዙኃን ዝምልከት ሕግ ተመሓይሹ ኢዩ።
እቲ ሓድሽ ቅዋም ሃገር ‘ቤተ ክርስትያን’ ዝብል ቃልን እቲ ቓል ዘለዎ ሓሳብን ሕጋዊነት ትርጉሙን ካብቲ ናይ መኽሰብ ኣቢያተ ክርስትያን ዝፈሊ ሓድሽ ፍትኃ ብሔር ኢዩ። ስለዚህ እቲ ኣብ ሃንጋሪ ንናይ መንግሥትን ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናታትን ናይ ኣገልግሎት መውሃብን ብሓደ መሥርሕ ዝምልከት ብምዃኑ። ብዙሓት በዚ ሕጊ መሠረት መኽሰብ ክረኽቡ ሓቂኖም ዝተፈላለያ ተምሳል ኣቢያተ ክርስትያን ኣቑይሞም ኢዮም። ስለዚህ ኣገልገልትን ናይ ረብሓ ኣቢያተ ክርስትያንን ዝፈላልይ ኢዩ። እቲ ሓድሽ ቅዋም ሃገር ካብ ሓደ ሺሕ ንላዕሊ ሰዓብቲ ዘለዋን ኣብ ሃንጋሪ ቅድሚ ዕሥራ ዓመት ዝኣተወት ቤተ ክርስትያን፣ ቤተ ክርስትያናዊ ቅዋማ ኣፍልጦ ዝህብ ኢዩ። እተን ገዛእ ርእሰን ቤተ ክርስትያን ቢለን ዝጽውዓ ነገር ግን ናይ መኽሰብ ኣቢያተ ክርስትያን ከይህልዋ ዝብል ሕጊ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ካብ መንግሥቲ ዝረኽበኦ ድጎማ የለን ጥራሕ ኢዩ ዝብል። ካብዚ ነቒልካ ግን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝድርት ሕገ መንግሥቲ ኢዩ ቢልካ ምግላጹ ምግናንን ነቲ ሕጊ ብሓሊ ናብዚ ዓይነት ኣገላልጻ ምውጣጥ ኢዩ።
ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ቅልውላው ዘለዎ ሳዕቤን ንምቁጽጻር ኣሚቱ መንግሥቲ ንማእከላይ ባንኪ ቤት ዝምልከት ዘውጽኦ ሕጊ፣ እቲ ናይቲ ባንኪ ቤት ርእሰ ምሕደራ ዝውስን እዩ ዘብሎ ተባሂሉ ዝቐረበ ርእይቶ መሠረት መንግሥቲ ነቲ ዓንቀጽ እውን ኣተኻኺልዎ ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ ግን እዚ ንኣባይቲ ባንኪ ዝምልከት ሕጊ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ምዝታይ ይግባእ ኔሩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.