2012-01-14 14:11:00

ርክባትን ሓድሽ ሢመትን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንጎሆ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ልኂቅ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዳሪዮ ካስትሪሎን ሆዮስን ናይ መራኸቢ ብዚሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ፣ ኣብ ኢጣሊያ RealAudioMP3 ናይ ኣሲዚ- ኖቸራ ኡምብራ-ጉዋልዶ ታዲኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖን ድሕሪ ቐትሪ እውን ናይ ካቶሊክ ዓንቀጸ ሃይማኖት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዊሊያም ጆሰፍ ለቫዳን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ህንዲ ናይ ሰበኻ ድሃርማፑሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኤንቶንይ ኢሩዳያራጅ ሕገ ቀኖና ቁጽሪ 401 ቀዳማይ ዓንቀጽ መሠረት ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ኣብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና እንከረክቡ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ዝቐረበ ሕቶ እወታዊ መልሲ ብምሃብ ናይ ሰበኻ ኢሩዳያራጅ ጳጳስ ንኽኾኑ ናይ ኣብሳሳላ ጳጳስን ናይ ማድራስን ምይላፖረ ሰበኻ ሓጋዚ ጳጳስ ዝነበሩ ንብፁዕ ኣቡነ ላውረንስ ፒዩስ ዶራይራዥ ከምዝሸሙዎምን ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ኣብ ፈረንሳ ናይ ፖኢቲየርስ ርእሰ ሰበኻ ሓዋርያዊ መሥተናብር ጳጳስ ኮይኖም ዘገልግሉ ንዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ፓስካል ዊትዘር ናይታ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑን ከምዝሸሙዎም መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.