2012-01-12 14:02:14

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል፦ ቤተ ክርስትያንን ሃገረ እስራኤልን


ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ናይ ሓባር ናይ ቅድስቲ መሬት ሓልዮ ድርገት ሓዋርያዊ ምብጻሕን ከምኡ እውን RealAudioMP3 ዓመታዊ ኣኼባኡ ከምዘካየደ እንክንገር፣ ናይቲ ዘካየዶ ዓመታዊ ጉባኤ ሓፈሻዊ ናይ መግለጺ ሰነድ ሎሚ ከምዘቕረበ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ እዚ ናይ ኤሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ናይ ሓባር ናይ ቅድስቲ መሬት ሓልዮ ድርገት ኣባላት ትማሊ ኣብ ራማላሕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ የመልክት።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ እስራኤል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ፍራንኮ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ናይ እስራኤል መንግሥቲ ዝገበርዎ ርክብ ኣመልኪቶም ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ምግልጋል ማኅበረ ክርስትያንን ኣብ ቅድስቲ መሬት መንፈሳዊ ንግደ ንኽፍጽሙ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝነቕሉ ካቶሊካውያን እተቕርቦ ኣገልግሎት ዘተዓናቕፉ ዝተፈላለዩ ሽግራት መፍትሒ ክረኽቡ ኣሚቱ ዝተኻየደ ርክብ ከምዝነበረ ገሊጾም፣ እቲ ካብ ናይ ነዊሕ ዓምታት ተመክሮ ዝመጸ ርክብን ዘተን ምስ ሃገረ እስራኤል ምዕባለታት ከምዘርኣየን፣ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ ካቶሊካውያን ማኅበረ ክርስትያን ውሑዳትን ከምኡ እውን ብትሑት መነባብሮ ዝምሓደሩ ብምዃኖም፣ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ሓገዝ ዘድልዮም እዩ። ስለዚህ ኣብ እስራኤል እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክትኸፍሎ ካብ ዝግበኣ ግብሪ ናጻ ኮይና ነቶም ሓገዝን ደገፍን ንእተቕርቦ ደገፍ ክብ ንኽብል ዘብቅዑ ስምምዓት ተበጺሖም ኢዮም። ከምኡ እውን ኣብ ምጥቃም ቅዱስ ሥፍራ ጽርኃ ጽዮንን ሥፍራ ቅዱስ መቓብርን ናይ ኢየሱስ ሕይወት ተዘክሮ ቅዱሳት ሥፍራ ብምዃኖም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍቓድ ንኽረክብ ዝግበር ዘተ እውን ኣብ እወታዊ ፍጻሜ ከምዝበጽሕ እምነት ኣሎኒ። እቲ ናይ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ናይ ሓባር ሓልዮ ቅድስቲ መሬት ድርገት ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘካይዶ ምብጻሕ ዓቢ ደገፍ ኢዩ፣ እቲ ድርገት ምስ መንግሥቲ እስራኤልን ምስ መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝፍጽሞም ርክባትን ዘካይዶም ዘተን መሠረታዊ ኢዩ። ንናይ ሓባር ምክብባርን ንእወንታዊ ውጽኢታት ዓቢ ግደ ኣለዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.