2012-01-12 14:08:18

ሥነ ጥበብ ጎደና ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል


ናይ ሮማ ሰበኻ ዕለት 14 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣብ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘተኮረን ጎደና ውህበትን ውበትን ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመሔ ሮማ ኣብ ዝርከብ RealAudioMP3 ግዳመ ግዝኣታዊ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ላተራነንሰ ዓወደ መጽናዕቲ ክካየድ ምዃኑ ናይ ሮማ ሰበኻ ዘመሓላለፎ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ጳጳሳዊ ናይ ዳግመ ኣስፍሆተ ወንጌል ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላን፣ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቨኒረ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ሓላፊ ማርኮ ታርኵይኖ፣ ኣብ ሮማ መንበረ ጥበብ ናይ ሥነ ሕንጻ ንድፊ መምህር ናይ ሥነ ሕንጻ ንድፊ ሊቅ ፓውሎ ፖርቶገዚ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ሰበኻ ሮማ መግለጺ፣ ቀጺሉ ከይዲ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝመርሑ ጋዜጠይና ማሪና ሪቺ ኣብ እዋናዊ ዓለም ኣስፍሆተ ወንጌል ብቲዮሎግያን ሥነ መራኸቢ ብዙሃንን ሥነ ጥበብን ብዝብሉ ሰለሥተ ኣረኣእያ ዝተመርሔ ኣስተምህሮ ከቕርባ ኢየን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ብጎዳና ሥነ ጥበብ ኣቢልካ ናብ እምነት ምቕራብ እንክብሉ ዘቕረብዎ ምዕዳን መሠረት ዝገበረ ዓወደ መጽናዕቲ ኮይኑ፣ እቶም ኣስተምህሮ ዘቕርቡ ሊቃውንቲ ብጎዳና ውህበትን ውበትን ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ “ውበት ኣዚዩ ጥንታውን ወትሩ ሓድሽን ናብቲ ፍጹም ውበት ዝኾነ መሠረት ኩሉ ምዃን ይመርሕ” ዝበሎ ሓሳብ ብዘቓልሕ መገዲ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሥነ ጥበብ ዘለዎ ተራ ከመልክቱ ምዃኖም ሓቢሩ።
እቲ ዓወደ መጽናዒት “ናብ ኢትኣላውነት ዘእቱ ማዕጾ” ብዝብል ሓፈሻዊ መደብ ናይ ሮማ ሰበኻ ካብ ዘነቓቕሖም ክፍሊ መደባት ዓውደ መጽናዕቲ ሓደ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ 2012 ዓ.ም. ሰብን ፍጹምን ኣብ መዳይ ሥነ ጥበብ ዝብል መደብ ዓወደ መጽናዕቲ ክካይድ ከምዝኾነን፣ ካልኦት ሥነ ሙዚቃን ፍጹምን፣ ሥነ ትያትርን ፍጹምን’፣ ብጠቅላላ ኣሰር ኣቲ ፍጹምን ምኽንያት ምዃን ዝኾነ ንምልልያ ዝድግፍን ኣብ መደብ ዳግማይን ሓድሽን ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ተራ ዘነጽር ኮይኑ ምስ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ዘዳለዎ እውም ከምዝኾነ ናይ ሮማ ሰበኻ መግለጺ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.