2012-01-12 14:00:37

ሢመተ ንሓድሽ ኣገልግሎት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ብራዚል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ንዝርከቡ ናይ ዲዮክለዚያና ስዩመ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሎረንዞ ባልዲሰሪ RealAudioMP3 ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ከምዝሸሙዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ኣቡነ ባልዲሰሪ ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ፒሳ ከተማ ባርጋ ዕለት 29 መስከረም 1940 ዓ.ም. ዝተወልዱን፣ ዕለት 29 ሰነ 1963 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ዕለት 7 መጋቢት 1992 ዓ.ም. ሢመተ ጵጵስና ተቐቢሎም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣብ ሃይቲ፣ ደሓር እውን ኣብ ፓራጉዋይ፣ ቀጺሎም ኣብ ህንድን ከምኡ እውን ኣብ ነፓል ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ዕለት 12 ሕዳር 2002 ዓ.ም. ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ንኽኮኑ ብቅዱስ ኣቦና ክሳብ እተሾሙል ዕለት 11 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ከገልግሉ ከምዝጸንሑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.