2012-01-10 13:51:16

ኖርወይ፣ ናይ ኤውሮጳ ‘ሃይማኖታት ንሰላም’ ቤት ምኽሪ ጉባኤ


ሎሚ ኣብ ኖርወይ ናይ ኤውሮጳ ‘ሃይማኖታት ንሰላም’ ቤት ምኽሪ ጽድያ የዕራብ ሃገራት ኣብ ዝብል ዛዕባ ዝዝትይ ጉባኤ ከምዝጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ካብ ማእከላይ ምብራቕን RealAudioMP3 ሰሜን ኣፍሪቃን ኤውሮጳን “ድሕሪ ጽድያ ዓረብ ዝተኣታተዉ ብዶሆታት በዲህካ ሃገራዊ ሕንጸት ንምርግጋጽ ዘብቕዕ ተኽእሎ ብሓባር ምልላይ” ኣብ ዝብል ዕላማ ኣሚቱ ዝካየድ ምዃኑ እቲ ናይ ኤውሮጳ ‘ሃይማኖታት ንሰላም’ ቤት ምኽሪ ቅድሚ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።
እዚ ናይ ኖርወይ ከተማ ስቲክለስታድ ጉባኤ እቲ ኣብ ሞርኮ ከተማ ማራከሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2011 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ‘ሃይማኖታት ንሰላም’ ቤት ምኽሪ ናይ ዘካየዶ ጉባኤ መቐጸልታ ምዃኑ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ እቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ቀዳሞት ኣዋርሕ ዝተራእዩ ኩነታት፣ ዓለም ዘገረመ ኣብ ዘረጋገጾም ለውጥታት፣ ተራ ሃይማኖታት ንምልላይ ዝሃቀነ እውን ከምዝኾነ ሓቢሩ። ሃይማኖታት ኣብ ሕንጸት ሃገር ዘለወን ዓቢይ ተራ ዘመልክት ታሪኻዊ ክስተት እውን ምዃኑን ኣብቲ ዝተኣታተወ ጽድያ ዓረብ ዝተጸንሰ ናይቲ መጻኢ መሠረት ሎሚ ኣብ ዝብገስ ሕንጸት ሃገር ተራ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መራሕቲ ሃይማኖታትን መሠረታዊ ምዃኑ ዝእምነሉ እዩ። ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ሊባኖስ ናይ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ናይ ሓባር ዘተ ዝሓሊ ኮሚቴ ዋና ጸሓፊ ሞሓማድ ኣል ዳማክን ካብ ቱኒዝያ ናይ ደቂ ንስትዮ ሰዓብቲ ሃይማኖታት ናይ እምነት መርበብ እተሰምየ ማኅበር ኣወሃሃዲት መህረዚያ ላቢዲ ማይዛን፣ ኣብ ኤወሮጳ ‘ሃማኖታት ንሰላም’ ቤት ምኽሪ ኣወሃሃዲ ናይ ሉተራን ቤተ ክርስትያን ክቡር ኣቡነ ጉናር ስታልሰት ናይ ሞሮኮን ማራከሽን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ሰዓብቲ ማኅበርሰብ ሊቀ መንበር መምህር ጃክይ ካዶች ዘረባ ከስምዑ ምዃኖም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.