2012-01-05 14:16:54

ኣፍጋኒስታን፣ ቤት ጽሕፈት ጣሊባን ኣብ ቓጣር


ምስ ናይ ኣፍጋኒስታን መንግሥቲ ሓሚድ ካርዛይ ናይ ሰላም ዘተ ንምብጋስ ብዝብል ዕላማ ጉጅለ ጣሊባን ኣብ ቓጣር ናይ ፖለቲካ ቤት ጽሕፈት ከምዝኸፈተ ባዕሉ እቲ ጉጅለ RealAudioMP3 ጣሊባን ከምዝሓበረ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ መደብ ናይ ሰላም ዘተ ድሕሪ ናይ 12 ዓመት ዓመጽን ውጥረትን ንፈለማ ግዜ ዝተመዝገበ እወታዊ ውጽኢት ከምዝኾነን፣ እዚ ናይ ጣሊባን ሓድሽ እወታዊ ሓሳብን ተመሃርቲ ቍርዓን ዘቕረብዎ ሕቶ ግምት ብምሃብ፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ መንግሥቲ ካብቶም ኣብ ጓንታናሞ ዝርከቡ እሱራት ጣሊባን ገለ ገለ መራሕቲ ጣሊባን ዝኾኑ ናጻ ንኽለቅቕ ድልው ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ናይ ሥነ ዓለም ሓቆፍ መጽናዕቲ ተቛም ሊቀ መንበር ኣንድረያ ማርጀለቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቃጣር ካብ ማእከላይ ምብራቕ ክሳብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርኤ ናይ ዘሎ ሓድሽ ለውጢ ኣብ ዝምልከት ዓለም ሓቆፍ መድረኽ፣ ቀንደይና ተዋሳኢት እናኾነት ትመጽእ ከምዘላን፣ ቅድም እውን ኣብ ጉዳይ ሊቢያ ክሳብ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ገዳፊ ካብ ሥልጣን ዝኣለየ ግጭት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተጻወተቶ ተራ ዝዝከር እዩ። ስለዚህ ምንቅስቓስ ጣሊባን ነዚ ተረዲኦምን ከምኡ እውን ናይ ዓለም ሓቆፍ ዓቃቢ ሰላም ካብታ ሃገር ዝወጽሉ እዋን ዝቐረበ ብምዃኑ ነዚ ኩነት ተጠቂሞም ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ብሕጋውነት ክዋስኡ ቅሩባት ምዃኖም ንምሕባር ኢዩ ኢሎም።
ምዕራብ ሃገራትን መላእ እቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ዓሚቶም ዝተበገሱን በዚ ዓላማ ተወዲቡ ዘሎ ኅብረ ሃገራት ኃይሊ ምክልኻል ነቲ ናይ ኣፍጋኒስታን ግጭት ብወትሃደራዊ መልክዕ ጥራሕ ኢዮም ክምልከትዎ ዝጸንሑ፣ ስለዚ እዚ ዝርኤ ዘሎ ሓድሽ ለውጢ ናይ ኣፍጋኒስታን ኩነት መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ምዃኑ ኢዩ ዘነጽር፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ መንግሥቲ ንገዛእ ርእሱ ብፍላይ ድማ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ቅልውላው ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ነቲ ናይ ኣፍጋኒስታን ጉዳይ መዕለቢ ክገብረሉ ኢዩ ዝደሊ። ስለዚህ እዚ ሓድሽ ዝቐላቐል ዘሎ ድላይ መደብ ናይ ሰላም ዘተ ውጽኢት ከምዝህልዎ ዘየጠራጥር ኢዩ። መልክዓ ምድራዊ ኣቐማምጣ ግምት ብምሃብ እውን መንግሥቲ ሓሚድ ካርዛይ ዋላ’ኳ ደገፍ ምዕራብ ሃገራት ዘድልዮ እውን እንተኾነ ምስ ጎረባብቲ ሃገሩ ዘለዎ ምቅርራብ ኣብ ናይ ሰላም ከምዝኾነ ኣዚዩ ይፈልጦ ኢዩ፣ ኣቃልቦ እውን ይገብረሉ ኣሎ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.