2012-01-05 14:22:02

ቅዱስ ትሩፋን ቅዱስ ዶን ቦስኮ ኣብ ኢትዮጵያ


ኣብ ኢትዮጵያ ጋምቤላ ከተማ ብናይ ላቲን ሥርዓት ዝበዓለ በዓለ ልደት ምኽንያት፣ ቅዱስ ትሩፋት ቅዱስ ዶን ቦስኮ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ነፈርቲ ዕለት 24 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. RealAudioMP3 በጺሑ ብዝተፈላለዩ ናይታ ከተማ ናይ ፖለቲ ላዕለዎት ኣካላትን ሰበ ሥልጣናትን ብናይ ጋምቤላ ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ሞረስኪ ዝተመርሑ ምእመናን ካህናትን ደናግልን ኣቀባብላ ከምእተገበረሉ ክንገር እንከሎ፣ ነቲ ቅዱስ ትሩፋት ቅዱስ ዶን ቦስኮ ኣምሪሑ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ፣ ነቲ ቅዱስ ትሩፋት ኣብታ ናይታ ከተማ ካቴድራል ከምዘብጽሔን፣ ኣብቲ ኣደባባይ ካቴድራል ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መዛሙር ከምእተሰምዔ እውን ናይ ዶን ቦስኮ ማኅበር መግለጺ ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ሞረስኮ ዝተመርሔ ናይ ጸሎት ሥነ ሥርዓት ኣብታ ከተማ ናይ መንግሥቲ ናይ ወኪል ጋምቤላ ከተማ ምኽትል ኣመሓዳሪ፣ ማኅበር ዶን ቦስኮ ኣብቲ ከባቢ ዘበርክቶ ዘሎ ሰብኣውን ባህላውን ሕንጸትን ዓንዲ ነቲ ናይቲ ከባቢ ልምዓት ምዃኑ ጠቒሶም፣ ናይ ምስጋና ቃል ከምዘስምዕ እውን መግለጺ ማኅበር ዶን ቦስኮ ኣመልኪቱ፣ ብበዓለ ልደት ምኽንያት ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ብፁዕ ኣቡነ ሞረስኪ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት መጠቓለሊ ናይ ቅዱስ ዶን ቦስኮ ታሪኽ ሕይወት ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ከምዝገለጹን ድሕሪ እቲ ናይ ቅዳሴ ሥነ ሥርዓት ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ናይ ኣስተንትኖን መደባትን ተኻይዱ ናይ ዶን ቦስኮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቅንኣት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ንናይቲ ከባቢ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባላት መደብ ጽሎት ከምእተኻየደ ኣባል ማኅበር ዶብ ቦስኮ ኣባ ጆርጆ ፖንቲጃ ከምዝገለጹ ናይቲ ማኅበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.