2012-01-03 14:30:22

ብፁዕ ካርዲናል ሳር፦ “ሓዊ ብሓዊ ኣይጠፍእን”


ኣብ ሰኔጋል በቲ ዕለቲ 26 ለካቲት 2012 ዓ.ም. ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ምኽንያት ኣብ መንጎ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ካሳማንስን መንግሥቲ ዳካርን ዘሎ ግጭት መጠነ ሰፊሕ RealAudioMP3 ክኸውን ከምዝድረኸ እንክምልከት፣ እቲ ኣብ መንጎ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ካሳማንስን መንግሥቲ ሴነጋልን ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ናይ ዳካር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ተዮዶረ ኣድሪየን ሳር ብሓድሽ ዓመት 2012 ዓ.ም. ምኽንያት ኣብ ዚንጉይንቾር ካቴድራል ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዘ ፓዶቫ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ሓዊ ብሓዊ ኣይጠፍእን ኢዩ ቢሎም፣ እቲ ግጭት ብሰላምዊ መገዲ ክፍትሕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ ግጭት ከም መጋበርያ እናተጠቐሙ ሃብቲ ኣብ ምድላብ ዝጓየዩ ኃላፊነት ዘይስምዖም ዜጋታት ከምዘለዉ ብፁዑነቶም ጠቕሲም፣ እዞም ዜጋታት ናይ ሰላም መጋበርያ ኮይኖም ክልወጡ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ዓመጽ ብዓመጽ ዝብል ዓይነት ውሳኔ መገዲ ሰላም ዘርሕቕ ኢዩ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብ ፍጻሜ እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ ከባቢ ናይ ላዕለዎት ናይ መንግሥትን ባህልን ኣካላትን ተራ ዜጋታት ዝተሳተፍሉ ምእንቲ ሰላም ክሳብ ኣደባባይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጽሞና ዝዓሰሎ ናይ ሰላም እግሪ ጉዕዞ ከምእተፈጸመን እንክንገር፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ሴነጋል ርእሰ ብሔር ኣብዱላየ ዋደ እቶም ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ካሳማንስ ዕጥቆም ኣውሪዶም ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ክኣምኑን ነቲ ውጥረት ሰላማዊ መትሒ ክርከቦ መታን ክተሓባሩ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.