2012-01-02 09:39:59

በዓለ ቅድስቲ ስድራ ናዝሬት ፡


ርእሲ ኹሉ እንቋዕ ካብ 2011 ናብ 2012 ብጥዕናን ብሰላንም አብጻሐኩም

ትማሊ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በዓለ ቅድስቲ ስድራ ናዝሬት ሐሲባን አኽቢራን ውዒላ ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድስቲ ስድራ ናዝሬት ናይ ኩሎም ስድራ ቤታት ክርስትያን ሰናይ አብነት ከም ዝኾነት ገሊጾም።

ዝሐለፈ ረቡዕ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዝሀብሉ ግዜ ስድራ ቤት ትምህርቲ ጸሎት ከም ዝኾነት ከም ዝገለጹ ዝዝከር ኢዩ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ዝዛዘም ዘሎ 2011 ዓመተ ምሕረት ክርስትያናዊት ስድራ ቤት ብዝምልከት አኲሮም አብ ዝተፈላለየ ግዝያት ስድራ ቤት መንገዲ ቤተ ክርስትያን ከም ዝኾነት ከም ዝተንተኑን ዘረድኡን ይፍለጥ ።

አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ታሕሳስ መጀመርያ አብ ዝተኻየደ መበል ሳላሳ ሐፈሻዊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ስድራ ቤት ክርትያናዊት ስድራ ቤት ንእሽቶይ ቤተ ክርስትያን ከም ዝኾነት ከም ዝገለጹ ይዝከር ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መብበል 16 ስድራ ቤት ዘተኮረ ክረድኡ እንከለዉ

ሎሚ አብዚ ግዜ”ዚ ከምቲ አብ ዝሐለፉ ክፍለ ዘመናት ዝነበረ ጸረ ስድራ ቤት ዝተፈላለዩ ሥነሐሳባት ውድቀት ሞራላዊ ግብረ ስጋ ከም ምዝርአዩ አገንዚቦም።

ከምዚ ዓይነት ሽግር ስለ ዘሎ ሐዲሽ ስብክተ ቅዱስ ወንጌልን ስድራ ቤትን ተአሳሲሮም ብሐባር እናሰጐሙ ጸረ ስድራ ቤት ንዝመጹ መጥቃዕቲ ክከላኸሉ ከም ዝኽእሉ የገንዝቡ ።

ስድራ ቤት አብ ሕይወት ቤተ ክርትያን ዓቢ ጊደ ከም ዘለዋ ጠቂሶም ክአ ብምሕረት እግዚአብብሔር ብመንፈስ ቅዱስን ተሰንያ ከም ትጋዓዝ አመልኪቶም።

ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2012 አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ አብ ከተማ ሚላኖ ዓለም ለኸ

ርክብ ክርትያን ስድራ ቤታት ክካየድ በመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ዘኪሮም ነዚ ቤተ ክርስትያን ብዝግባእ ክትሰናደወሉ አተሐሳሲቦም።

ክርስትያን ስድራ ቤታት ንሰብአዊ ሕይወት ክከላኸላ ጽባቄን ሥርዓትን ቃል ኪዳን ከርእያ ንደቀን ክርስታናዊ ትምህርቲ እናሀባ ኰስኲሰን ከዕብያ ክአ ይምዕዱ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ርክብ ፍልስፍናን ሃይማኖትን ከም ዘለዎ ኾይኑ አብዚ ዝሰልጠነ ዘመን ክርስትያን ስድራ ቤታት ምስ ቤተ ክርትያን ተሐጋጊዘን ሰባት ናብ እግዚአብሔር ከቅርባ ተማሕጺኖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.