2011-12-31 16:05:29

ዓመታዊ በዓል ናይ ናዝሬት ቅድስቲ ቤተሰብ


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ድሕሪ በዓለ ልደት ዕለት 26 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. በዓል ቅድስቲ ቤተሰብ “ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ ቅድስቲ ሥድራ ቤት” ከምዘብዓለት እንክፍለጥ፣ ኣብ ማድሪድ ኮሎን ኣደባባይ ብናይታ ከተማ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶንዮ ማሪያ ሩኮ ቫረላ RealAudioMP3 ንዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ናይ ናዝሬት ቤተሰብ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ እንክንገር ኣብቲ ናይ ቅዳሴ ሥነ ሥርዓት ካልኦት ዓሠርተ ብፁዓን ጳጳሳት ከምእተሳተፉ እውን እንክሕበር፣ ቅድሚ እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መዝሙራትን ጸሎትን ኣስተንትኖን ከምእተፈጸመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ስፐይን በዓል ናይ ናዝሬት ቅድስቲ ቤተሰብ ካብ 2007 ዓ.ም. ንነጀው ዓለም ለኻዊ መልክዕ ብዘለዎ ኣገባብ ክብዕል ከምዝጀመረን፣ ነቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሚላኖ ንኽካየድ ተወሲኖ ንዘሎ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ሥድራ ቤት ንመሰናደዊ እውን ካብ ዝሳተፋ ሃገራት ኤውሮጳን ምእመናን ዝተዋጽኡ ኣብቲ በዓል ናይ ናዝሬት ቅድስቲ ቤተሰብ ከማተሳተፉ እንክምልከት፣ እዚ ናይ 2011 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ሥድራ ቤት መንእሰያት ብወለዶም ኣቢሎም ካብ እግዚኣብሔር ንዝተቐበልዎ ናይ ሕይወትን ካብ ወለዳቶም እውን ዝተቐበልዎ ናይ እምነት ጸጋ ንምምስጋንን ሓልዮን ደገፍን ንወለዲ ብዝብል ሓሳብ ዝተመርሔ እውን ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።
ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሥድራ ቤትን ናይ ስፐይን ኤጲስቆጶሳዊ ሕይወት ሓልዮ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ኣንቶኒዮ ረግ ፕላ ብዛዕባ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ክርስትያን ሥድራ ቤት ነቲ እንነብሮ ዘሎና ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው መልሲ እዩ። ብምሥጢረ ተክሊክ ኣቢሉ ዝረጋገጽ ናይ ፍቕሪ ምትእስሳር ነቶም ኣብ ስቓይን ሕሱም ድኽነትን ንዝርከቡ ክፍሊ ኅብረተሰብ ክፉታት ዝገብር ልግስን ልውህናን ዝዕድል እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። እቶም ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝተኻየደ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝተሳተፉ ኣብ ዙሪያ ቅዱስ ኣቦና ዝተኣኻኸቡ መንሰያት እውን ኣብዚ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ሥድራ ቤት ከምእተሳተፉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ፣ ቅድሚ እቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓለም ሓቆፍ ናይ መዓልቲ መንእሰያት መዘምራንን ኦርኬስታራን ከመኡ እውን ናይ ኔኦ-ካተኩመናለ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ መዘምራንን ኦርኬስትራን ዘዳለውዎ መንፈሳዊ ውሁድ ቅኒት ሙዚቃ ከምዘቕረበ እቲ ናይ ዜና ኣግልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.