2011-12-31 16:09:24

ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ፦ “ሕንጸትን ሰላምን”


ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት ሓደ ጥሪ ዘመሓላልፍዎ ዓለም ለኻዊ ናይ ሰላም መልእኽቲ መሠረት፣ እቲ ናይ ለምዘበን ጥሪ ሓደ 2012 ዓ.ም. ናይ ሰላም መልእኽቲ “መንእሰያት ንፍትሕን ሰላምን ምሕናጽ” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘቃልሕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፍን RealAudioMP3 ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም፣ ስለዚህ ናይ ጽባሕ ዓለም ተረካቢ መንሰይ ወለዶ ንናይ ሰላም ባህሊ እንተድኣ ዘይተሓንጸ ኣብ መጻኢ ዓለም ሰላም ክህሉ ማለት ዘይሕሰብ እዩ።
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ ሃገራትን ጽድያ ዓረብ ሃገራት ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ዝርኤ ዘሎ ንኅዳሴ ናይ ሕዝባዊ ምንቅስቓሳትን፣ ከምኡ እውን indignados - ምረት (ቁጥዐ) ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ ዘሎ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ቅልውላው መሠረት መንእሰያት ካብ ስፐይን ዘበገስዎ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ምዕራብ ሃገራት ዝርኤ ዘሎ ብብዝሒ መንሰያት ዝተዓብለለ ናይ ለውጥን ኅዳሴን ሓታቲ ምንቅስቃስ፣ ናይ ሰላም ሕንጸት ንመንሰይ ወለዶ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘነጽር ማኅበራውን ሰብኣውን ኩነት እዩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ሕንጸት ዝማርኽን ዝምስጥን ክብድ ዝበለ ጉዕዞ እውን እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ኣባ ሎምባርዲ ኣብቲ ርእሰ ዓንቀጽ ጠቒሶም፣ ንመንእሰያት ኣብ ናይ ሕንጸት መደብ ሥድራ ኣባይቲ ጥራሕ ዘይነስ ኩሉ ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚህ ሓነጽቲ መሰያት ንኹሉ ዝምልከት ኣኢዩ። ኣብ ወግዓዊ ናይ ሕንጸት መደብ ዝሳተፉ ኣካላት ዘለዎም ሓላፍነት ኣብ መንሰይ ዝንጸባርቕ እውን ኢዩ። ስለዚህ ናይ ሕንጸት ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል እቲ ሓላፍነቱ ዓቢይ ምዃኑ ተረዲኡ ብቓልን ሕይወትን ዝተሰነየ ሓቀይና ምስክርነት ከቕርብ ኣለዎ።
ክቡራት ናይ ሕይወት ዋጋታት በቲ ምድራውንት ጥራሕ ዝብል ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽልን ሕሉፍን ቀጥዒ ኣልቦ ነጻነት ዘዳምቕ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ባህሊ መሠረት ንሓደጋ ተቓሊዖም እዮም፣ ስለዚህ መጻኢ ዓለም ዘይጸላም ክኸውን እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ ነዚ ሓደገይና ምድራውነት ጥራሕ ዝብል ባህሊ ንሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ዝሕብር ቅንዕናን ምትሕብባርን ህርኩትን ፍቕሪ ዘማዕድው ምሉእነት ሕንጸት ሰብ ግምት ዝህብ ናይ ሕንጸት መደብ ሕጹጽ እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.