2011-12-31 16:08:00

ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን፦ “ናብ እግዚኣብሔር ገጹ ዝጎዓዝ ዓመጽ ክመርጽ ኣይክእልን”።


ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ሃይማኖት መጋብርያ ሰላም እምበር ምኽንያት ዓመጽን ውግእን ጸረ ሰብኣዊ RealAudioMP3 ተግባራትን ክኸውን የብሉን ቢሎም፣ እቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ናይ ዝተፈላለያ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር “መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም” ኣብ በመል 25 ዝኽሪ ዓመት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ ቀጻልነቱ ብምርግጋጽ ንመላእ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መንፈሳዊ መራሕትን ከምኡ እውን ነቲ ናይ ለምዘበን ፍልይ ዘብሎ እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ሓቂ ናይ ምድላይ ባህሪይ ዓቢ ግምት ዝህብ ቅዱስነቶም ናብቲ ጉባኤ ጸሎትን ዘተን ናይ ባህሊ ኣካላትን ሊቃውንትን ኢኣማንያን ክሳተፉ ዘቕረብዎ ዕድመ መሠረት ዕለት 27 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ከምእተፈጸመ፣ ዘኪሮም ቅዱስ ኣቦና “ደጊም ዓመጽን ውግእን ግብረ ሽበራን ፈጺሙ ከይህሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ሰላምን ፍትሕን ከቕርብ፣ እቲ ናብ እግዚኣብሔር ገጹ ዘምርሕ ፈጺሙ ዓመጽ ክመርጽ ኣይክእልን እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ዘኪሮም፣ እቲ ኣብ ናይጀሪያ ኣብዚ እዋን በዓለ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ጸረ ክርስያን ዓመጽ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣዚዩ ኣገዳስን ህጹጽን ዕላማ ምዃኑ ኢዩ ዘረጋገግጸልና። በዚ ናይ ሓባር ዘተ መሠረት እግዚኣብሔር ፍቕርን ሰላምን ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ክሰፍሕ ኣለዎ፣ ከመይ እግዚኣብሔር ምኽንያት ዓመጽን ግብረ ሽበራን ገይርካ ምጥቃም ጸረ እግዚኣብሔር ምቛም ማለት እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዘካየድዎምን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ዝፈጸምዎ ናይ ሓባር ዘተ፣ ደጊሞም ዘቕርብዎ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን እማኔ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ እውን ቅዱስ ኣቦና ምትሕብባራን ምቅርራብን ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህል ንኽሰፍሕ ዘቕርብዎ ጻውዒት መሠረት ዝገበረ እውን እዩ ኢሎም።
ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዝቐውም ናይ ሓባር ዘተ ክሰፍሕ ኣለዎ። ብጸቕጢ ኣመለኻኽታኻ ኣብ ልዕሊ ካልእ ብስገዳድ ምቕራብ ጸረ ሰላም ምቛም ማለት ኢዩ። ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ዘተ ባህሊ ክሰፍሕ ብቐዳምነት ከምእትንቀሳቐስን፣ ኣብዚ መዳይ እውን ምስ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እተካይዶ ርክባትን፣ መላእ ሃይማኖታት ንናይ ሓባር ዘተ ርክብን ጸሎትን ኣሚታ እተነቓቕሖ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ዘማዕድው ምዃኑ ብኹሉ ዝፍለጥ እዩ። ብሔራዊ መንግሥታትን ዓለም ለኻዊ መዋቕራት ንሃይማኖት ሸለል ዝብል ክኸውን የብሉን፣ ኣብ መዳይ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ሃይማኖት ዘለዎ ተራ መሠረታውን ብምዃኑ ንዝተፈላለያ ሃይማኖታት ግምት ክህቡ ኣለዎም። ሰብ በቲ ምዃን ሰብኣውነቱ ዝምባለ መንፈሳውነት ኣለዎ። ስለዚህ ነዚ ባህርያዊ መንፈሳውነት ዝምባለ ሰብ ከምዘየለ ጌርካ ንወዲ ሰብ ምምሕዳር ንገዛእ ርእሱ ናብ ሽግር ዝመርሕ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ንምሉእነት ባህርይ ሰብ ግምት ምሃብ ወሳኒ ኢዩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ኣብ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ድልየት እግዚኣብሔርን ሓቅን ብዝተፈላለየ መልክዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣስተምህሮታቶም ብዝተፈላለየ ናይ ሥነ ምርምር ጨንፈራት ብቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ቅዱስ መጽሓፍን ውሳኔታት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን መሠረት ገይሮም ዘቓልሕዎ ቅዉም ሓሳብ ኢዩ። ስለዚህ ሰብ ካብዚ ብኑባሬ ዘለዎ ባህርይ ነጺልካ ምርኣይን ምሕሳብን ሳዕቤኑ ኣሉታዊ ከምዝኾነ ብፁዕ ካርዲና ዣን ልዊስ ታውራን ኣረዲኦም፣ መንእሰይ ወለዶ ንናይ ሰላም ባህሊ ክሕንጽ ኣለዎ። ኣብ ኅብረተሰብ ብዝተፈላለየ መገዲ ናይ ሰላም ባህሊ ክሰርጽ ዘብቕዕ መደብ ሕንጸት ክህሉ ኣለዎ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብበዓለ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሓድሽ ዓመትን ምኽንያት ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ቫቲካን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብጹዓን ጳጳሳትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ኣሲዚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዝተካየደ ርክብ ዘኪሮም፣ እቲ ናይ ኣሲዚ ሃዋሁ ፍቕሪ ንሓቅን ንናይ ሰላም ናይ ሓባር ኃላፊነትን መሠረት ናይ ምሕዝነትን ሕድ ሕዳዊ ምክብባር መንፈስ ዝዓሰሎን ኢዩ ኔሩ” ዝበልዎ ሓሳብ ብፁዕነቶም ጠቒሶም፣ ኣብዚ ዘይርጉጽነት ሰላምን ምክብባርን ዝረኣየሉ ዓለም፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ምግልጋል ቀዳማይን ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ኣለዎም ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሊሚ ሕትመቱ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.