2011-12-30 09:52:26

ትምህርተ ክርስቶስ ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ንምእመናን ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክፍለጥን ክዝከርን ከሎ ፡ ትማሊ ከም ወትሩ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሻይ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ።

በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2011 ናይ መወዳእታ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝሀቡ ክምልከት ከሎ አብ ጸሎትን ስድራ ቤትን ዝተኮረ አስተምህሮ ሂቦም ።

ናይ መጀመርያ ቤት ትምህርቲ ጸሎት ስድራ ቤት ከም ዝኾነት አዘኻኺሮም ክአ ቅድስቲ ስድራ ቤት ናዝሬትን ጸሎትን ዝተአሳሰረ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

በነዲክቶስ መበል 16 ግዜ ሕጻንነትን ጉብዝና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስቲ ድንግልማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ዘኪሮም ፡ ክርስትያን ብደረጃ ስድራ ቤት ብሐባር ዝግበር ጽባቄ ጸሎት ክደልዩን ክረኽቡን አተሐሳሲቦም።

ቅድስቲ ድንግልማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ርእሰ መማህራን ጸሎት ወልደ እግዚአብሔር ከም ዝኾኑ ክአ አረዲኦም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሕጻናት ብሕጻንነቶም ሥርዓተ ጸሎት ክምሀሩ ከም ዝግባእ አተሐሳሲቦም ክአ ሕጻናት ምስጢር ህላዌ እግዚአብሔር ብመንገዲ ጸሎት ክፈልጡ ክርድኡ ከም ዘለዎም አስሚሮምሉ ።

ልዕሊ ኩሉ ቅድስቲ ድንግልማርያም ወላዲተ አምላኽ ገና ክርስቶስ አብ ማህጸና እንከሎ አብ ጸሎት ተጸሚዳ ከም ዝነበረት አዘኻኺሮም ክሳዕ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስን ሰማያዊ ዕርገታን ከም ዝጸለየት ሕጂ ንሕና”ን ንወዳ ከተማልደልና ናብአ ክንጽሊ አተሐሳሲቦም።

ነቶም ቅድሚኦም አብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ዝነበሩ ብጹዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ዘኪሮም ምስ ቅድስቲ ድንግላማርያም ዝነበሮም ፍሉይ መሳጢ መንፈሳዊ ርክብ አዘኻኺሮም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ናይዚ ዝዛዘም ዘሎ 2011 ዓመተ ምህረት ናይ መወዳእታ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዝሀብሉ ግዜ አተሐሒዞም ቅዱስ መጽሐፍ ቃል ቅዱስ ዮሴፍ እኳ እንተዘይገደፈ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ግን ቅዱስ ዮሴፍ ምስ ማርያም ኮይኑ ንክርስቶስ ጸሎት ከም ዝምሃሮ ቀዳም መጸ ንኢየሱስ ሕፃን ንቤተ ምክራብ አይሁድ ሒዝዎ የኸይድ ከም ዝነበረ አብ ዓበይቲ በዓላት እስራኤል ይወስዶ ከም ዝነበረ ትርዳእ ኢሎም።

ቀጺሎም ብመሠረት አይሁዳዊ ባህሊ ቅዱስ ዮሴፍ ዕለታዊ ጸሎት ንግሆ ቀትሪ ምሸት ብግዜ መግቢ ንስድርኡ ጸሎት ይመርሕን የግብርን ኔሩ ብማለት አገንዚቦም።

አተሐሒዞም ክአ ቅዱስ ዮሴፍ አብ ናዝሬት ይነብረሉ አብ ዝነበረ እዋን አብ ጸሎትን ስራሕን ተጸሚዱ የሕልፎ ከም ዝነበረ አመልኪቶም ።

አብዚ ትማሊ በነዲክቶስ መበል 16 አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱይሳይ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አተሐሒዞም ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ንስለሰተ መዓልቲ ካብ ስድርኡ ጠፊኡ አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም አብ ሐደ ቤት መቅደስ ክጽሊ ከም ዝረኸብዎ አዘኻኺሮም።

ምስጢረ ክርስትና እምብአር አብ ጸሎት ዝተመስረተ ኢዩ ዝበሉ በነዲክቶስ በል 16 ክርስቶስ ደቂ እግዚአብሔር እንኾነሉ መንገድታት ሰሪዑልና ኢዩ”ሞ ክርስትያናዊ ክብርና ክንዕቅብ ይግብአና ኢሎም።

ደቂ እግዚአብሔር ንኽውን ፈሪሐ እግዚአብሔር እንተለና ትምህርቱን ትእዛዛቱን እንተ አኽቢርና ሥሩዕ ሞራላዊ ምድራዊ ሕይወት እንተሕሊፍና ከም ዝኾነ ክአ አመልኪቶም።



እዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ናይዚ ዘብቅዕ ዘሎ 2011 ዓመተ ምህረት ናይ መወዳእታ ከም ዝኾነ ክፍለጥ ከሎ ድሕሪ ፍጻሜ ትምህርተ ክርስቶስ ከምቲ ልሙድ ንምእመናን ሐዋያዊ ቡራኼ ሂቦም ተፋንዮምዎም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.