2011-12-29 14:21:42

ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ “ዘርኢ ሰብ እግዚኣብሔር ምንጻልን ምንሻውን ኣንተድኣ ዝቕጽለሉ ምርጫ ኮይኑ ተሪፉ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩለ መደያዊ ቅልውላው ክፈትሖ ዘይሕሰብ ኢዩ።”


እግዚኣብሔር ምንሻው እንተድኣ ዘየወገደ ሕዝቢ ዓለም ነቲ ንስቓይ ዝድርኾ ተኸሲቱ ዘሎ ኵለ መደያዊ ቅልውላው ክሰግሮን ክፈትሖን ማለት ዘበት ምዃኑ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶስክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ብበዓለ ልደት ምኽንያት ኣብ ዘዕረገዎ RealAudioMP3 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝገለጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብዚ ኣንበረሉ ዘሎና እዋን ብሕይወት ይትረፍ ብቓል እውን እግዚኣብሔር ዘይምውዳስን ኅላዌ እዚኣብሔር ንገዛእ ርእሱ ኣብ ጥርጥር ምእታውን ካብ ሕይወት እግዚኣብሔር ምውጋድ ዝምባሌ ዝሰፍሓሉ ከምዝመስልን፣ እቲ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እዝግዚኣብሔር ዚሕጎሰሎም ሰብ። እንክብሉ መላእኽቲ ንኣምላኽ ዘቕረብዎ ምስጋና ዝጻረር ዓይነት ኣነባብራን ኣመለኻኽታን ክሳብ ዘሎ ኩነት ዘርኢ ሰብ ክመሓየሽ ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ። ሰናይ ነጺግካ ሰናይ ምንዳይ ዘይከኣል ኢዩ። እቲ ሰላም ተወሊዱ እዩ። ነቲ ሰላም ዘየናድዩን ኣክንዲ ሰላም ውግእ ዝብሉን ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝዓጥቁ ብዙሓት ኢያቶም፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ዓመጽን ንብጻይካ ዘይምፍቃር እውን ከም ዕላማ ተሓሲቡ ዝንበረሉን ተቓዋሚኻ ንምጥፋእ ዝሓለነ ፖሊቲካዊ ማኅበራዊ ከይዲ ዝሰፍሓሉ ዓለም ኮይኑ ከምዘሎ እውን ገሊጾም፣ናይ ሰላም መሣርሒ ካብ ምዃን መጋበርያ ውግእ ንምዃን ዝድርኽ ባህሊ እውን ከምዝረኣየሉን እዚ ኹሉ ግን ነቲ ናይ ብሥራት ሓቂ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይክልክሎን ኢ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላሙ ክህበና ኢዩ መጺኡ፣ ናይዚ ብሥራት ሰላም ዘይምንጋሱ ሓላፍነት ናይ ወዲ ሰብ ኢዩ ኢሎም፣ ናይ ኩሉ መፍትሒኡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ እሞ ኣብ ሕይወትና ንቐበሎ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.