2011-12-29 14:19:30

ስቓይ ንጹሓን


ኣብ ቤተልሔም ናይቲ ነዮ ካተኩመናለ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቓስ ማኅበርሰብ ዝመሥረቱ ኪኮ ኣርጒየሎ ንኽብሪ እኖ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ዝኣመተን ነቶም ገበነይናታት ዘይኮኑ ናይ ንጹሓት ስቓይ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ በዓልን ትምህርተ ክርስቶስን ዘጣመረ ጡዑም ውሁድ ቅኔት RealAudioMP3 ሙዚቃ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ናይ ቤተ ልሄም ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ንምርኢት ከምዝቐረበ ክሕበር እንከሎ፣ እቲ ጥዑም ውሁድ ቅኒት ሙዚቃ ናይ ንጹሓን ስቓይ ዘስተንትንን ጸሎትን ስቓይን ተስፋን ዘነጽር ከምዝኾነን ዓረብ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣንግሊካውያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብጠቕላላ 1700 ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ሰዓብቲ ከምዝተኸታተልዎን ነቲ ምርኢት ዘጀመሩ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ፍዋድ ትዋል ከምዝኾኑ ተገሊጹ።
እቶም ሙዚቀይናታት ካብ ስፐይንን ኢጣሊያን ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ 180 ከምዝኾኑን ክሕበር እንከሎ እቲ ምርኢት ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ እውን ንካልኣይ ጊዜ ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት ምኽሪ ትያትር ቤት ከምዝቐረበ ክሕበር እንከሎ፣ ነታ ብናይ ወዳ ስቓይ ዝተሳቐየትን ምስ ወዳ ዝተሳቐየትን እኖ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ዘኽብርን ዝዝክርን ታሪኻ ዝገልጽ ውሁድ ቅኒት ሙዚቃ ናይቶም ዘይበደለይናታት ንጹሓን ሕፃናት ስቓይ ዝዝይምን፣ ጌተሰማንየን ኩነት ማርያም ኣብ እግሪ እታ ወዳ ዝተሰቐለላ መስቀልን ኣብ መስቀል ኮይኑ ንዅሉ ምሕረት ዝለመነ ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቃልሕ ሙዚቃ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ስቓይ ተስፋ ከምዘሎ ዘረጋገጽ እውን ከምዝኾነ ኪኮ ኣርጒየሎ ምስ ራዲዮ ቫቲና ብዝልኪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።
ኣብ ኢየርሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ትዋል ፍዋድ ብወገኖም ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበሮ ፍኖተ መስቀል ተምሳሉ ሎሚ ኣውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እትርከብ ኩላዊት ቤተ ክርስትያንን ንጹሓን ዜጋታትን ሕዝብን ዝፍጸም ከምዝኾነ ዝረጋግጾ ህልው ኩነታት ታሪኽ ዘኪሮም፣ እቲ ስቓይ ግን ትንሣኤን ተስፋን ዝኽልክል ኣይኮነን ምስ በሉ እቲ ዝቐረበ ጥዑም ውሁድ ቅኒት ሙዚቃ ነዚ ዘቓልሕ ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.