2011-12-27 13:52:10

ደም ሰማዕታት ዘርኢ ሓደስቲ ክርስትያን


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽትል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ በዓለ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊ ዕለት 26 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. በዓለ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ከምዘብዓለት እንክፍለጥ፣ ቅዱስ ተርቱሊያኑስ ደም ሰማዕታት ዘርኢ ሓደስቲ ክርስትያን ኢዩ እንክብል ዝገለጾ ናይ ርሑቕ ዘመናት RealAudioMP3 ቃላት ሎሚ እውን ዘቓልሕ ምዃኑ ዝተመስከረሉ ዕለት ከምዝኾነን ሰማዕትነት ኣብ ክርስትያናዊ ምስክርነት ዝንበር መሥፈርቲ እውን ምዃኑ ዝረጋገጸሉ ዕለት ኢዩ። ናይ ደም ሰማዕትነት ዝሓለፈ ታሪኽ ማኅበረ ክርስትያን ዘይኮነስ ሎሚ እውን ዝንበር መሥፈርቲ ክርስትያናዊ ምስክርነት ከምዝኾነ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ደህንነትን ምትሕብባርን ሓልዮ ማኅበር ብዛዕባ ዝስደዱ ክርስትያን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ማሲሞ ኢንትሮቪኘ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም፣ ብዛዕባ ናይ እምነት ሰማዕታት ክዝረብ እንከሎ ብዙሓት ኣብ ዘመን ግዝኣት ሮማውያን ዝነበረ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ተዘክሮ ከምዝኾነ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ፣ ካብ ታሪኽ ከምእንርድኦ ግን እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ናይ ሰማዕነት ዘመን ኢዩ። ዳቪድ ባረት ናይ ሥነ ታሪኽ ሊቅ ከምዝገልጽዎ ካብ ሞት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጀሚሩ ክሳብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን 70 ሚሊዮን ዝግመቱ ክርስትያን ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበሉን፣ ካብዞም 70 ሚሊዮን ሰማዕታት እቶም 45 ናይ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ መጀመርታታት 21 ክፍለ ዘመን ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ከምዝኾኑ ንርዳእ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን፣ ዘመን ሰማዕታት ቢሎም ክሰምይዎ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ሥርዓት ዴስነትን ሥርዓት ብሔራዊማኅበርነትን ጥራሕ ዘይኮነስ ሎሚ እውን ብዙሓት ክርስትያን ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበሉን ሰማዕትነት ገና ይቕጽል ከምዘሎን፣ ብፍላይ ድማ ሕሉፍ-ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልም ንኣብነት ኣብ ፓኪስታን ሃይማኖት ምርካስ ከም ገበን ዝብል ኣብ ናይታ ሃገር ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎን ንሃይማኖት ምስልምና ጥራሕ ዝሓሊ ሕግን ከምኡ እውን ኣብተን ብዙሓን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝርከብወን ሃገራት ዝፍጸም ጸረ ክርስትያን ዓመጽን፣ ኣብተን ገና ዝሓለፈ ሥርዓት ዴስነት ዘንጸላልወለን ሃገራት ዘሎ ኃዋሁ፣ ብሓፈሻኡ ኣብተን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘይክበረለን ሃገራት ዝፍጸም ጸረ ክርስትያን ዓመጽን ከማኡ እውን ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃን እስያን ዝንበር ሃይማኖተይና ብሔራውነት፣ እምነት ክርስትና ወጻእተይና ማኅበረ ክርስትያን ከም ከሓዲ ብሔራዊ ባህልን ልምድን ዝሓስብ ማኅበራዊ ሥርዓትን ኣብ ኤውሮጳ ድማ ዋላ’ኳ ንጹር ጸረ ክርስትያን ዓመጽ እንተዘየለ፣ ሰላሕታ ዝኾነ ግብረ ኣድልዎልን ብሓፈሻኡ ዝርኤ ማኅበረ ክርስትያን ዝንጽል ክርስትያናዊ መበቆል መንነት ኤውሮጳን ዝኽሕድ ብዙሕ ግዜ ዝፍነዉ ጸረ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን መግለጽታት ጠቒሶም፣ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሰማዕትነት ክርስትያን ገና ይቕጽል ኣሎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.