2011-12-23 10:22:59

ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በኒዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ወትሩ ዕለተ ሮቡዕ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክፍለጥ ትማሊ ክአ ከምቲ ልሙድ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሽዱሳይ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ።

እዚ ትማሊ 21 ታሕሳስ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አብቲ አብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን መወዳእታ ብሥርዓት ላቲን ተኸቢሩ ዝውዕል ልደተ ክርስቶስ ዘተኮረ ኢዩ ኔሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ ዕለተ ልደተ ኢየሱስ ክርስቶስ አመልኪቶም

ልደተ ክርስቶስ ቅዱስን ክርስታናውን አውደ ዓመት ኢዩ ። ስለዝኾነ ክአ ጥልቂ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ክብሩ አፍአዊ መልክዕ ክለብስ የብሉን ።

ልደተ ክርስቶስ ጥልቂ እምነታዊ አውደ ዓመት ድአምበር ካብ ሐቂ ዝርሐቀ ንግዳዊ በዓለ ሸተኽ በተኽ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ከም ዘድሊ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ አባላት ሕብረተ ሰብ ብፍላይ ህዝበ ክርስትያን ርሑስ ልደት ክለዋወጥ እንከሎ ልደተ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ተገንዚቡ አብ መንፈሳዊ መዳዩ ከድህብ ከም ዘለዎ አገንዚቦም ።

እምብአርከስ ጥዑማት ህዝበ ክርስትያን ኢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እውነተኛ ትርጉምን መንፈስን ልደተ ክርስቶስ ክስሐት የብሉን ምኽንያቱ ቅዱስን ክርስትያንውን ዓቢ አውደዓመት ስለዝኾነ ኢሎም ።

በዓለ ልደት ስለዝኾነ ካብ ስራህ ትበኽረሉ አብ ምብላዕን አብ ምስታይን ጥራሕ ተተኩረሉ ግዜ አይኮነን ፈጠሪ ኹሉ ዓለም ንወዲ ሰብ ዝሀቦ ህያብ ነስተንትነሉ ነመስግነሉ ስብሐት ለእግዚአብሔር ንደግመሉ ግዜ ኢዩ”ሞ ብልቢ ንፈጣሪና ነመስግኖ ንወድሶ ክአ ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16።

ጥልቂ ዝኾነ ልደተ ክርስቶስ ብኸመይ ዝአመሰለ አገባብ ኢና ከነብዕሎ ዘለና ብማለት ርእሶም ዝሐተቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ርሑቅ ከይከድና መሠረታዊ ታሪኽ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘኪርና ሐሲብናን አስተንቲናን ንሱ ሰብ ተዛሪብዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ከምኡ ሰብ ከም ዝኸነ ክንርዳእ አለን ኢሎም ።

አተሐሒዞም ልደተ ክርስቶስ ንህዝበ ክርስትያን ብፍላይ ክአ ንአመንቲ እግዝአብሔር ብአካሉ ምሳና ከም ዘሎ አብ ቤተ ልሔም ተወሊዱ አብ ሞንጎና ከም ዘሎ ክንቀርቦ ክንረኽቦ ከም ንክእል ነረጋግጸሉ አውደ ዓመት ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ትማሊ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሳይ ንምአመንን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አተሐሒዞም ልደተን ፋሲካን ክልቲኡ አውደ ዓመት ድሕነት ሰብ ከም ዝኾኑ አረዲኦም።

ፋሲካ ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሐጢአትን ሞትን ዝተሳዕረሉ ዓውደ ዓመት ከም ዝኾነ ልደት ክአ እግዚአብሔር መልአክን መለኮትን እንከሎ ሰብ ተመሲሉ ሰብ ናብ እግዚአብሔር ዘሰጋገረሉ ዓውደ ዓመት ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

አብ መወዳእታ ክአ ንምእመናን ርሑስ ልደት ተመንዮምን ሐዋርያዊ ቡራልኬ ሂቦምን ተፋንዮሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.