2011-12-22 14:01:35

ናይ ካህናት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ፦ “በዓለ ልደት ጽውጽዋይ ኣይኮነን”


ብናይ ሮማ ናይ ሥነ ምኅዳር ወፋሮ (ክንክን ጽርየት ከተማ ሮማ ሠራሕተይናታት) ናይ ምኅዞ ጥበብ ዝተቐርጸ መበል 40 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ምውላድ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣበይን ብኸመይን ኩነታቱ ብመሠረት ቃለ ወንጌል ሓቀይና ታሪኹ ዘነጽር ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ተርእዮ፣ RealAudioMP3 ትማሊ ሮማ ኣብ ጎዳና ደይ ካቫለጀሪ ኣብ ዝርከብ ናይ ሮማ ናይ ሥነ ምኅዳር ወፋሮ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕንፃ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዘመነ ምጽኣትን ብበዓለ ልደትን ንምርኢት ከምዝቐረበ እንክሕበር፣ ናይ ሮማ ናይ ሥነ ምኅዳር ወፋሮ ዝሠርሕዎ ተርእዮ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምኽንያት ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ካህናት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ብስም ቕዱስ ኣቦና ከምዝመርሑን ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሮማ ከተማ ከንቲባ ጃኒ ኣለማኖን ናይ ከተማ ሮማ ቤት ምኽርን ናይ ሮማ ክፍለ ከተማታት ቤት ምኽሪታት ኣባላትን ናይ ሥነ ምኅዳር ወፋሮ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይቲ መበል 40 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ተርእዮ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ኣብ 1972 ዓ.ም. ዝወጠንዎን ንፈለማ ጊዜ ተቐሪጹ ንምርኢት ከምዝቐረበን ናይ ሮማ ጳጳስ እውን ብቐረባ ተረኺቦም ከብጽሕዎ ከዝኾኑ ኣይጠራጠርን እየ ዝበሉ ናይ ክንክን ጽርየት ከተማ ሮማ ሠራሕተይና ጁዘፐ ያኒ ምዃኖክ ክዝከር እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብሓቂ እዚ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላድ ኣብ መብልዒ ማል ዘነጽር ዝተቐርጸ ተርእዮ ንምብጻሕ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም መንፈሳውያን ነጋዶ ከምዝመጹን እቲ ‘መብልዒ ማል’ ንመላእ ዓለም ዝውክል ምዃኑ ንምርግጋጽ መንፈሳውያን ነጋዶ ካብ ሃገሮም ዘምጽእዎ ፍሉይ እምኒ ኣብቲ መብልዒ ማል ከም ገጸ በረከት ብምንባር ከምዝምስክርዎ እውን እንክምልከት፣ ንፈለማ ጊዜ ነቲ ብናይ ሮማ ናይ ሥነ ምኅዳር ወፋሮ ዝተቐርጸ ተርእዮ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ዘነጽር ምርኢት ኣብ 1974 ዓ.ም. ዝበጽሑን ዝባረኹን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ክኾኑ እንከለዉ፣ ካብ 1978 ዓ.ም. ክሳብ 2002 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቀጺሉ ኣብ 2006 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እውን ዝተበጽሔን ዝተባረኸን ብእናቴ ብፅዕት ተረዛ ዘካልኩታን ብናይ ኢጣሊያ ረፓብሊክ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖን ዝተበጽሔ ምዃኑ እንክንገር፣ ኣብ ዝሐለፉ 40 ዓመታት ካብ ክልተ ሚሊዮንን ፈረቓን ንላዕሊ ብዝግመቱ መንፈሳውያን ነጋዶ እውን ከምእተበጽሔ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ነቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ኣብ መብልዒ ማል ዘነጽር ምርኢት በጺሖምን ናይ ሥነ ምኅዳር ወፋሮ ሓላዊት ቅድስቲ እኖ ማርያም ዘፍኖት ቅብዒ ባሪኾምን መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሒም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፣ በዓለ ልደት ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ኣብ እዋን ዘመነ ምጽኣትን በዓለ ልደትን ዝተፈላለያ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝቕርብኦን ብዙሓት ኣሕዛብ ዓለም እውን ዝቕበልዎን ዝማርኽን ጽቡቕ ጽውጽዋይ ኣይኮነን፣ እዚ ሰፊሑ ዝርኤን ሰላሕታ ሓቀይና ታሪኽ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ጽውጽዋይ ናይ ምቕራብ ድርኾት ካባና ክውገድ ኣለዎ ኢሎም፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ መብልዒ ማል ደው ቢልና ካብ ኣነነትን ትዕቢትን ገዛእ ርእስና ናጻ ገይርና ረድኤት ንምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ገዛእ ርእስና ግብረ ሠናይ ኮይና ክንርከብ ዝዕድመና ቃል ነስተንትንን ንርዳእ ቢሎም ብሕይወትና ክንነብሮ እንክብሉ ምዕዳን ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ናይ ሮማ ከተማ ከንቲባ ጃኒ ኣለማኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርኤ ዘሎን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ቅልውላው ንቤት ምኽርታትን መንግሥታትን ሥድራ ኣባይትን ዓበይትን ነኣሽቱን ኢንዳስትሪታት እውን ዓቢ ፈተና ምኽንያት ሕጽረት እቶት ኮይኑ ከምዘሎን ጠቒሶም ካብዚ ጽንኩር ኩነት ንምልቓቕ ናይ ሓባር ጻዕርን ማንም ዘይንጽል ሓድሽን ፍሉይን ውሁድ ቅኒት ኣገዳሲ እዩ። ምትሕስሳብን ሓልዮን ምክብባርን ናይ ጽንኩር ኩነት መፍትሒ እዩ። እዚ ድማ እቲ ዝተቐርጸ ምርኢት መግለጺ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ዘመልክቶ ምርጫ እውን እዩ፣ እቲ መብልዒ ማል ቀሪብካ ካብ ምስትንታኑ ዝርከብ ሓድሽ መገዲ ሕይወት ክንስዕብ ይግባእ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.