2011-12-20 14:52:44

ብራዚል ምቅርራብ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2013 ዓ.ም.


ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ዝተኻየደ ኣብ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተረኾቦም መሪሕ ቃል ለጊሶምን ንናይ መንሰያት ሕቶ መልሲ ብምሃብ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም ናይቲ በዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ማድሪድ መዕጸዉ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ሥልጣናዊ ስብከት ኣቕሪቦም፣ ናይ 2013 ዓ.ም. መበል 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ RealAudioMP3 ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 28 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 28 ፍቕዲ 19 “ኪዱ እሞም…ንኹሎም ኣሕዛብ ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” ብዝብል ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሪሑ ክካይድ ከምዝወሰኑ እንክዝከር፣ በዚ ውሳኔ’ዚ መሠረት ድሮ ኣብ ሪዮ ደ ጃኔሮ መደብ ምቅራባት ብዝተፈላለየ መዳይ ይሳለጥ ከምዘሎ ጳጳሳዊ ሓልዮ ዓለማውያን ምእመናን ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሳታኒስላው ርይልኮ ሓቢሮም።
ብዛዕባ እቲ ድሮ ዝሳለጥ ዘሎ ምድላዋት ኣመልኪቶም ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብራዚል ዓለም ሓቆፍ ግጥም ኵዕሶ እግርን ከምኡ ኣውን ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ግጥማት ቅድሚ ምዕንጋዳ ዝካየድ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ብምዃኑ፣ እቲ ክፍጸም ዘለዎ ምድላው ክሳብ ክንደይ ልዑል ክኸውን ከምዘለዎ ዝምስክር ኢዩ። እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ነዞም ክልተ ዓለም ሓቆፍ ስፖርታዊ ግጥማት ኣብ ግምት ዘእተወ እውን ኢዩ። ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ብዓቢይ ኃላፍነት ምቅርራባት ይሳልጥ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ በታ ናይታ ከተማ ሜትሮጶሊታ ብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ዥዋው ተምፐስታ ዝምራሕ ኣሰናዳኢ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ሪዮ ደ ጃነይሮ ኮምቴ፣ ኣኼባ ከምዘካየደን እቲ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓንጺጹን በዚ መሠረት’ዚ ምንቕቓሓት ክግበርን ምስንዳው ኩሉ ክተባባዕ ከምዘለዎ ዝተሓሳሰበ ምዃኑ ገሊጾም፣ ንተሳተፍቲ መንሰያት መስተንግዶ ዝምልከት ምይይትጥ ከምእተፈጸመን፣ ኣብዚ መዳይ ቁምስናታትን ናይ መንፈሳውያን ማኅበራትን ገዳማትን ሥድራ ኣባይቲ ሱታፌ ከምእተረጋገጸን፣ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ትእምርቲ ዓቢይ ቅዱስ መስቀል ድሮ ኣብ ኩለን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ዑደት ከምዝጀመረን ኣብ ሳን ፓውሎ ከተማ ብ100 ሺሕ መንእሰያት ኣቀባብላ ከምእተገበረሉ እውን ሓቢሮም፣ ኮታ መላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ምድላው’ዚ ምሉእ ብምሉእ ትሳተፍ ከምዘላ ብቐረባ ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም።
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ መዳይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ተራ ዓቢይ ምዃኑን ቅዱስ ኣቦና ንናይቲ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መምሪሒ ቃል ዝኸውን ዝሓረይዎ ቃለ ወንጌል የረጋገጾ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.