2011-12-20 14:51:14

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ረቢብያ


ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ እቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 25 ካብ ፍቕዲ 31 ክሳብ 46 ዘሎ ነቢያት እውን ሓልዮት እግዚኣብሔር ቢሎም ዝገልጽዎን ብሉይ ኪዳን ብትንቢታዊ ቃል ዘቕርቦ ሓሳብ ቃለ ወንጌል “…ጠምየ ኣብላዕኩምኒ፣ ጸሚአ ኣስቴኹምኒ፣ ጋሻ ኮይነ መጺአ ተቐበልኩምኒ፣ ዓሪቐ ኸደንኩምኒ፣ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፣ ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ…” ብዝብሉ ቃላት፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ RealAudioMP3 ዘቕርቦ ምስላ መወዳእታ ፍርዲ፣ እቶም ኣብ የማኑ ንኽቕመጡ ዝሓርዮም መምዘኒኦም ብዘይ-ላንጋላንጋ፣ ኵሉ ክርድኦ ብዝኽእል ኣዘራርባ ብትኽኽል ይገልጾ። እዚ መምዘኒ’ዚ ቤተ ክርስትያን ናታ ገይራ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነት ኅብረተሰብ ብመዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ተርጒይማ እትነብሮ ምኻኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 18 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ሮማ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ረቢብያ ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝምስክሮ ምዃኑ ናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ምስ ራዲዮ ቫኢካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣረጋጊጾም፣ እዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተከታሊ ንኡሱራትን ሕሙማንን ጽጉማትን ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ሓልዮ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘረጋግጽ እውን ኢዩ። ቅዱስነቶም በቲ ንእሱራት ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣቢሎም ናይ ኵሎም እሱራትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ሠራሕተይናታትን ወለንተይናታት ኣባላት ናይ ግብረ ሠናይን ናይ መንግሥቲ ላዕለዎት ኣካላትን ልቢ ዝተንከፈን፣ ብዝተፈላለየ ገበን ተኸሲሶም ገበነይናታት ተባሂሎም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ወትሩ ምስ ክፍኣት ኣመሳሲልካ ምቕራቦም ብሓቂ ኣብ ምልዋጥን ሕዳሴን ዘይምእማንን ቀጻሊ ግብረ ምንጻል ምዃኑ ዝሓበረን፣ ቤት ማሕቡስ ቤት ሕዳሴን ሕንጸትን ኮይኑ እቶም እሱራት ምስ ኅብረተሰብ ተወሃሂዶም ብዘይ ቅድመ ጅምላዊ ፍርዲ ብሰላም ክንበሩን ሕይወቶም ብሰላም ክመርሑ ከምዘለዎምን እዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኃላፍነት ኵሉ ዜጋን ብፍላይ ድማ መንግሥትን ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተረኺባ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ግብረ ሠናይን ብምቕራብ ፍጹም ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከምዘይፍለዮም ትምስክር ከምዝኾነት ዘረጋግጽ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ቫሊኒ እንክሕብሩ፣ ኣብ ረቢብያ ቤት ማሕቡስ ናይ ዝርክብ ቤተ ጸሎት ቆሞስ ኣባ ፒየር ሳንድሮ ስፒሪያኖ ቅዱስ ኣቦና ንኹሎም ቀረባ ምዃኖምን ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ማንም ንጹል ከምዘይኮነ ዝመስከረ ኢዩ ኢሎም። እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብሓቂ ዘመነ ምጽኣት ኢዩ ኔሩ፣ ስለዚህ ዘይጽንቀቕ ተስፋ ዘቃልሔን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቤት ማእሰርቱ ዝርከብ ዜጋ እምነትን ፍቕርን ዘበራብረ ኢዩ እንክብሉ፣ ናይ ሓላዋ ጸጥታ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ፍራንኮ ዮንታ ብወገኖም እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ብሓቂ ቅዱስነቶም ንእሱራት ዘለዎም ቅርበትን ሰብኣውነቶም ኣስትውዕሎ ዝመልኦ ስምዒቶም ዝመስከረን እሱራት ሰብኣውነት ብዘማእከል ምሕደራ ክመሓደሩ ዘተሓሳብ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.