2011-12-17 14:48:57

ኣብ ቫቲካን እመ መድኃኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ስብከት ሳልሳይ ሰሙን ዘመን ምጽኣት


ሰባኬ ሓዋርያዊ መንበር ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ትማሊ ንጎሆ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድኃኔ ዓለም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ብጹዓን ጳጳሳትን ካርዲናላትን ዘቕርብዎ ናይ ዘመነ ምጽኣት ስብከት ብምቕጻል ትማሊ ሳልሳይ ሰሙን ዘመነ ምጽኣት ስብከት ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ 1492 ዓ.ም. ዓቢይ ፍጻሜ ክሪስቶፈር ኮሎምቡስ RealAudioMP3 ዝፈጸሞ ርኽበት ኅላዌ ክፍለ ዓለም ኣመሪካ ኢዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ እቲ ዓቢይ ዘብሎ ድማ ኣመሪካ ርኽበት ኅላዌ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸመትሉ ብምዃኑ ኢዩ። ካብ ዝብል ኩነት ርጉጽ ሓሳብ ኣንቂሎም ኣባ ካንታላሜሳ ነቲ ሳልሳይ ሰሙን ዘመነ ምጽኣት ስብከቶም ብምጅማር፣ ቲዮሎጊያ ካብቲ ብዘይ ሓጢኣትን ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ ዝኾነ ዓለም ምስ ሓጢኣቱ እንተኾነ ግን ምስ እግዚኣብሔር ምምራጹ ከምዝሓሸን ዝበለጸን ኮምዝኾነ ኣነጺሩ ኢዩ።
ናይ ላቲን ሥርዓት ቅዳሴ ማኅሌት ጎርጎሪዮስ ሊጡርጊያ ፋሲካ፣ ካብ ቀዳም ናብ ሰንበት ዘሰጋግር በዓለ ፋሲካ፣ ትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእዋጅ ዝብል ኤክሱለት ዝደግሞ ዓቢይን ዘደንቅን መድኃኔ ዓለም ክህልወና ዝገበርኪ “ኦ ጸጸት/ኃጢኣት ባህ ይበልኪ” ዝብል ዝድገም ጸሎት ዘኪሮም፣ ንሓጢኣታ ዘይኮነስ ነቲ ብሓጢኣትና ምኽንያት ናብ ዓለም ብዝመጸእ መድሕን እዩ ባህ ይበልኪ ዝብል እንክብሉ ተንቲኖም፣ እዚ ቲዮሎጊያዊ ሓሳብ ነቲ ተመኩሮ ርኽበት ኅላዌ ደቡብን ሰሜን ኣመሪካን ዶ ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን? ነቲ ናይ ርኽበት ኅላዌ ተመክሮ ዘሰነየ ከይዲ ኣስፍሆተ ወንጌል ጌጋታትን ዘይንጹር ጎድንታት ኔርዎ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን እቲ ክፍሊ ዓለም ካብ ብዘይ ኢየሱስ፣ እቲ ናይ ርኽበት ኅላዌ ተመክሮ ዘሰነየ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስ ጌጋታቱን ዘይንጹርን ጎድንታቱ ይምረጽ። ካብ ብዘይ ክርስቶስ ምስ ክርስቶስ ይበልጽ። እዚ እውን ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ናይ እምነት ተመክሮ ክንትርጉሞ ንኽእል።
ወላ ሓደ’ኳ እቲ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝውክል ዝገልጾ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት ምሉእ ብምሉእ ክንነብሮ ዘይካኣሎ እውን ከምዝኾነ ሕድ ሕዳዊ ምድልላይ ኣዚዩ ኣድላዪ ምዃኑ የነጽረልና። ዝኾነ ይኹን ሰብ ንሱ ክገብሮ ዘይተኻእሎን ዘይበጽሖን ሰናይ ተግባር ንኣብነት ምዕባለ መንፈሳዊ ሕይወትን ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ምቕራብን ምንባርን ፍትሕን ማኅበራዊ ሕንጸትን ኣብ ምንቕቓሕ ተግባር ተጸሚዱ ካልእ ክፍጽሞን ክበጽሖን ክርእይ እንከሎ ክሕጎስ ኢዩ ዘለዎ ቢሎም፣ ነዚ መግለጺ ድማ “ስለዚ ኣብ ንሕድሕድና ኣይንፍረድ። የግዳ ሓደ ንኃዉ ዕንቅፋት ወይ መሓንኰሊ ከይግብረሉ ይወስን” መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 14 ፍቕዲ 13) ጠቒሶም።
ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንላቲን ኣመሪካውያን ካህናትን ደናግልን ካብ ዝንበር ዓሚዩቕ ተመክሮ እግዚኣብሔር ዝነቐለ ኣስፍሆተ ወንጌል ክፍጽሙ ዘቕረብዎ ምዕዳን ኣባ ካንታላሜሳ ዘኪሮም፣ እቲ መሠረታዊ ዝኾነ እቲ ዝንበር ዓሚዩቕ ተመክሮ እግዚኣብሔር ኢዩ ወሳኒ። እዚ ኢዩ ድማ ጸዋዕታ ዘነቓቕሕን ዝማርኽን ኣድማዒ ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘነቓቕሕ። እቲ ብልምዲ ዝንብር ሕይወት ዘይብሉ መንፈሳዊ ሕይወት “nemo dat quod non habet- ዝኾነ ይዅን ዘይብሉ ክህብ ኣይክእልን እዩ”። እዚ ምስላ እዚ ኣብ ተልእኮ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ቀደም ሎሚ ኣዚዩ ሕጹጽ ኣድላይነት ዘለዎ መምርሒ እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.