2011-12-17 14:46:37

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ማንም ብዘይ እግዚኣብሔር ዓለም ክሓንጽ ዝደልይ ዘርኢ ሰብ የዕንው”


ቅድሚ 20 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘቐሙዎ ናይ መናብርተ ጥበብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ መሠረት በቢ ዓመቱ ኣብ ዘመነ ምጽኣት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ናይ ሮማ መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ ብሓባር ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝምራሕ ጸሎተ ሰርክ ሱታፌን ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ዝልገሠሉ መደብ ብምቕጻል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ካብ ልዕሊ 10 ሺሕ RealAudioMP3 ንላዕሊ ዝግመቱ ናይ ሮማ መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ ዝተሳፈፍሉ ጸሎተ ሠርክ መሪሖም፣ ዝሓለፉን ገና ምሉእ ብምሉእ እቲ ሓዲገምዎ ዝሓለፉ ጽልዋ ዘይተሓከ ዓለም ብዘይ እግዚኣብሔር ክሓንጹ ዝፈተኑ መዕርፎኦም ኣብ ምዕናው ሰብን ሰብኣውነትን ኮይኑ ዝተረፈ ኣሉታዊ ምርኢት ዝተፈላለዩ ርዕዮተ ዓለም ወይ ድማ ሥነ ሓሳብ ዘኪሮም፣ ታሪኽ ኣብ ምሥራሕ ንበይንና ኣይኮናን፣ እግዚኣብሔር ካብ ዘርኢ ሰብ ርሑቕ ዘይኮነስ ገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ሰብ ኣዋሪዱን ሥጋን ለቢሱ ኢዩ።
“እምበኣርሲ፥ ኣኅዋተየ፥ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታና ተዓገሡ” መልእኽቲ ሓዋርያ ያዕቆብ ምዕ. 5 ፍቕዲ 7፣ ኣብ ትጽቢትና ንምጽኣት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነትን ዝንባለን ሓረስታይ እዚ ድማ ነቲ ክቡር ፍረ ምድሪን ኣኽዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ዝነብሮ ትዕግሥቲ ኣብ ምጽባይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንነብሮ ዝግብኣና ባህርይ ክኸውን ከምዘለዎን ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን ዘመነ ምጽኣት፣ ኣብዚ ሸበድበድ ዝመልኦን ዝውንጨፍን ዓለም ደው ቢልና ልብና ነቲ ዝመጽእ መድኅን ልክዕ ከምቲ መግለጺ ዘርይክቦ ምሥጢረ ብርሃንን ናይ ፍቕሪ ጸጋን ዝተገልጸላ መብልዕ ማል ቤተልሔም ቅሩብ ክንገብር ብዝብል ቃል ንዅሎም ተመሃሮ ኣተሓሳሲቦም፣ ደላይ እግዚኣብሔር ጉዕዞ ኣብ ትዕግሥትን ተኣማንነትን ጽንዑን ንኣኡ ነቲ ገዛእ ርእሱ ዝገልጽ እግዚኣብሔር ክፉት ክኸውን፣ ዘይተገልጸ ሓደ ጃንዳዊ እግዚኣብሔር ዘይኮነስ እቲ ናይ ወዲ ሰብ ኣድማስ መጻኢ ናብቲ ጽኑዕን ዝተረጋገጸን ብዘለዓለማውነት ዝሃብተመን ኵለንተና ጎድንታት ኅልው ኵነት ብጽኑዕ ትብዓት ንምግጣም ዘብቅዕ ተስፋ ክፉት ዝገብር ኅያውን ሓቀይናን እግዚኣብሔር ኢዩ ዘድልየና።
ፍቑራት ኣሕዋተይ ሓዋርያ ያዕቆብ “ክሳዕ ምጽኣት ጐይታና ዕጉሣትን ጽኑዓትን ክንከውን” ይዕድመና እዚ ዕድመ’ዚ ነቲ ዝተዓደለናን ዓለምን ኣብ ሕንጸት ታሪኽን በይንና ከምዘይኮና ዘረጋግጸልና ዓቢይ ተስፋ የዘኻኽረና። እግዚኣብሔር እቲ ናይ ኵሉ ጽኑዕ መሠረት ኣበይን ኣብ መንን ዝተነብረ ከምዝኾነ ዘርኢ ሰብ ክፈልጥ ናይቲ ልዑልን ዓሚዩቕን ኣስተንፍሶ ዘርኢ ሰብ ፍጻሜ መንነት መታን ክርዳእ፣ እግዚኣብሔር ካብ ሰብ ዘይረሓቐ ኮይኑ ገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ሰብ ኣዋሪዱን ሥጋ ዝለበሰን ኢዩ (ዮሓ. 1፣14)፣ እቲ ጽኑዕ መሠረትን ናይቲ ልዑልን ዓሚዩቕን ኣስተንፍሶ ዘርኢ ሰብ መንበርን መንነትን ክርስቶስ ኢዩ ኢሎም።
ወዲ ሰብ ታሪኽ ንብሕቱ ብዘይ እግዚኣብሔር ክሓንጽ ክንደይ ጊዜ ዘይጸዓረ። ናይዚ ምልክት ድማ እቶም ኣብ ፍጻሜ ጸረ ዘርኢ ሰብን ጸረ ክብሩን ኮይኖም ዝተረኽቡን ዝተፈላለዩን ዝሓለፉ ርዕዮተ ዓለም ወይ ከኣ ሥነ ሓሳባት ዘስዓብዎ ኣሉታዊ ምርኢት ዝዝከር ኢዩ። ጽኑዓትን ዕጉሣትን ምዃን ማለት ታሪኽ ምስ እግዚኣብሔር ብሓባር ምሕናጽ ማለት ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኦም፣ ታሪኽ ናይቶም ዝተፈላለዩ ሥነ ሓሳባት ፍጻሜ መጋበርያ ዘይኮነን ንኽብሪ ሰብ ብሓቂ ብቝዕ ዝኾነን ምሳኡን ኣብኡን ክሕነጽ እንከሎ መሠረቱ ሕንጸቱ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ኢዩ ዝኸውን።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓቀይና መንነት እግዚኣብሔር ኣብቲ ኣብ ቤተልሔም ዝውለድ ሕፃን ኢዩ። እዚ ኣዚዩ ንነፍሲ ወከፍና ቀረባ ዝኾነን ንማንም ዘይንጽልን ኣብ ምጽባይ ዘይደክም ናይ ኩሉ ነጻነት ዘኽብር፣ ዓቕልን ትዕግሥትን ዝመልኦ እሙን ብምዃኑ፣ እቲ ምሳኡ ምርኻብ ብማንም ኣብ ጥርጥር ዘይኣትው መንነት ገጽ እግዚኣብሔር’ዚ ንኹሎም ከበሥሩ ነቶም ናይ ሮማ መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ ሓደራ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ኣቐዲሞም ርሑስ በዓለ ልደትን ተመንዮም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ማድሪድ ምኽንያት ብመበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ማድሪዲ ናይ መናብርተ ጥበብ ቤተ ጸሎት ዑደት ዝፈጸመ ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም መንበረ ጥበብ ቅድሚ እቲ ጸሎተ ሠርክ ምጅማሩ ናይ ሮማ ላ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ ካብ ኢድ ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ስፐይን ከምእተረከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.