2011-12-17 11:10:28

ሰንበት ዘስብከት 2004 ዓ.ም. (12/18/2011)


መዝሙር ወልዶ መድኅነ ንሰብክ . . . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ1፡3~9፥ 2ጴጥ 3፡1~10፥ ግ.ሓ. 3፡17~ፍ፥ ማር 13፡33~37
ስብከት“ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ” መዝ. 144፡7።
ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 27 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓደ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንምድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ።
ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ነቲ ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሰያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ መድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ’ እናበልና ንዝምር።
ዘሎናዮ እዋን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽአት አብ ሕይወትና ከዘክረና ምእንቲ ንርእስና ክንሰብኽ ንአኡ ንኻልኦት ክንሰብኽ ፍሉይ ጊዜ እንህበሉ እዩ። አብ ሕይወትና ንብዙሕ ነገራት ንጽበ። ዝገሸ ብድሓን ክምለስ ንጽበ፥ ወለዲ ውሉዶም እንተ ደንጎየ ብሻቕሎት ይጽበዩ፥ ሰብ ሓዳር ብዓል በተን እንተ ደንጎየ ብተሃዋኽ ይጽበያ። አብ ጊዜ ክረምቲ ዝናም እንተ ደንጎየ ሓረስታይ ብተስፋ ይጽበ። በዚ ዘመና ተለፎን ንኹሉ ስለ ዘቃልሎ ደጋጊምና ንድውል ድሓን ድኻ/ኺ እናበልና ንሓትት ንዝቐልጠፈ ክመጹ ንጽበ። ሽማገለታት ደቆም ክመጽእዎም ብተሃዋኽ ይጽበዩ። ሰባት እምብአር መለልይና ተጸበይቲ ኢና። ምጽባይ ክፍሊ ሕይወትና እዩ። አብ ሕይወት ሰብ ኩሉ ጊዜ አብ ትጽቢት እዩ ዝነብር። ትጽቢት አብ ተስፋ ከም እተነበር ይገብረካ። ክንጽበ እንተ ኸኣልና ለውጢ ክንርኢ ንኽእል።
ጊዜ ምጽአት እንብሎ አምላኽ ክመጽእ ስለ ዝኾነ ተጊህና ክንጽበ ዘሰናድወና እዋን ስለ ዝኾነዩ። ንእግዚአብሔር ብዘሎና ዓቕሚ ክንበጽሖ አይንኽእልን ኢና። ክንውንኖ እውን አይንኽእልን ኢና። ክንርእዮ እውን አይንኽእልን ኢና፥ ሓንቲ ክንገብራ እንኽእል እግዚአብሔር ባዕሉ ከምንፈልጦ ክገብር ምጽባይ ጥራሕ እዩ። አብ ምጽባይ እንከሎና ካልእ ክንገብሮ ዝግብአና ንሕና ጎደሎ ምዃና ክንእመን፥ ኩሉ ጊዜ አምላኽ ካባና ንላዕሊ ምዃኑ ክንአምን እሞ አብኡ ጥራሕ ተስፋ ክንገብር። አብ ትጽቢት እንከሎና ምጽባይና ጸሎት እዩ፥ ሽዑ ድሩታት ምዃና ንእመን እሞ አብ ትሕቲ ሓልዮቱ ኢድና ንህብ።
አብዚ እዋን እምብአር ብፍሉይ ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ፡ ክነቅሕ፥ ክንጽበ፥ ተስፋ ክንገብር። ክንነቅሕ ክንብል ከሎና አብ ሕይወትና አብ ዓለምን ንዝተገብረልና ንዝኾነ ነገራት ክነስተንትን፥ ንዝሓልፈ ነገራት ንዘሎ ነገራት ንዝመጽእ ነገራት ዘኪርና ክነስተንትን። አስተንትኖ ዋጋ ዘልኦ ንቕሓት እዩ። ሰብ ንሕማቕ ዕድል ከስተንትን አይኽእልን እዩ ብዘይካ ጊዜ ረኺቡ ንኽፉእ ነገር ክገጥም እንተዘይ ሓሲቡ። አነ ዕድላት ከጥፍእ እኽእል እየ አብቲ ቅድመይ ዘሎ ዕድላት ክርኢ እንተ ዘይከአልኩ። ሰብ ሕይወቱ ብንቕሓት ጠሚቱ እንተ ኸአለ ንአምላኽ ክርኢ አየጸግሞን እዩ። አምላኽ ካባይ እንታይ ይደሊ መጻኢ ሕይወተይ ከመይ ክኸውን አለዎ ኢልና ክንሓስብ ክነስተንትን ግድን እዩ። ጊዜ ምጽአት ከስ ኩሉ ጊዜ ነቒሕና ክንጉዓዝ የዘኻኽረና። አብ ዝሓላፈ ዘሎ ዝመጽእ አምላኽ አብ ሕይወትናን አብ ዓለምናን ዝገበረልና ክነስተንትን። አቐዲምና እንተ ሓሰብና አይክንዝንግዕን ኢና።
እዋና እንተ ረኤና ጊዜ ዝህብ ክንጽበ ዝሕግዝ አይኮነን ኩሉ ዝቕልጥፍ ዝህወኽ ዝርበጽ ኢና እንርኢ። ኩሉ እንተ ረኤና ዘለዋ መኻይን፥ ነፈርቲ፥ እንተርነት ወዘተ ኩሉ ህዉኽ ነገራት ዕድል ዘይህብ ኢና እንርኢ። ዘመና ሕጂ አብዚ እዋን ዝደለኽዎ ክረክብ አሎኒ ዝብል እዩ። ዘሎናዮ ምዕባሌ እንተ ረኤና ኩሉ ብሓጺር ጊዜ ተለዊጡ ተክኖሎጂ ካብ ደቒቕ ንደቒቕ ክልወጥ ንርኢ አሎና፥ አብ ገለ እዋን እንገብሮ ይጠፍአና ኩሉ ብሓደ ደቒቕ ይግበር። ቀደም ሰዓታት መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ ሎሚ ናይ ደቓይቕ ጊዜ ኩይኑ። እንነብሮ ዘሎና ዘመን ናይ ሓጺር ጊዜ እነመስግነሉ እዩ። ጸሎት ክንገብር ከሎና አምላኽ ቀልጢፉ ናይ ጸሎትና መልሲ እንተ ዘይሃበና ወይ እምነትና ድኹም እዩ ወይ አምላኽ ክምልሰለይ አይደለን እናበልና ሓጺር ውሳኔ ንወስድ።
ተስፋ፡ እናነቓሕና ብተስፋ ንጽበ። ግን እንታይ ኢና እንጽበ። አብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ መንእሰይ ተስፋ ይቖርጹ ካብቲ ዘቕርብዎ ገለ ዓለምና ብኑክልየር ቦምብ ክጠፍእ እያ እናበሉ ተስፋ ይቖርጹ አለዉ ስለዚ ተስፋ እንተ ዘየለ ስለምንታይ ንጽበን ተስፋ ንገብርን ይብሉ። ዘመና ተስፋ ዝኸልእ ኮይኑ ንርእዮ አሎና፥ ንሕና እንታይ ኢና እቲ ንትስፈዎ? አብዚ እዋን መንእሰይ ተስፋ ዝቖረጸ ይመስል። ተስፋ ምቑራጽ ናይ ክርስትያን አይኮነን። እዚ ጊዜ ምጽአት ተስፋና አብ ክርስቶስ ገርና ንብርሃን ልደት ክንሳተፍ እሞ አብ ጭቡጥ ተስፋ ክነብር ይነግረና። ኩሉ ህዝብና ተስፍኡ አብ ክርስቶስ ክሳብ ዘይገበረ ድነ ጸልማት ንሕልና ዓጽዩ አብ ከቢድ ጸገም ክንወርድ ኢና። ስለዚ ሎሚ አብ አምላኽ ንመለስ ተስፋና ንሱ እዩ።
ጊዜ ምጽአት እቲ እንተስፈዎ ናይ ክርስቶስ ምጽአት እዩ። እዚ አውንታዊ ተስፋ ካብ ነቒሕና እንጽበዮን እዩ ዝነቅል። እዚ ተስፋ ድሮ ካብቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ እዩ ዝምስረት ከምኡ በቲ አብ መንጎና ዘሎና ሓድነትን አብ ክርስቶስ ዘሎናን እዩ ዝምስረት። እዚ አፍልጦ እንተ ዘይብላን ኩሉ ብዛዕባ ክርስቶስ ዘሎና አፍልጦ ዘፍርሕ ምኾነ። ኩሉ ተስፋና አብ ክርስቶስ ገርና ኢና እንነብር እንተዘይ ከውን መን ካባና እዩ አብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ አምላኽ ክቐውም ዝኽእል ወይ ንሞት ምኽአልናያዶ። አምላኽ ተስፋ እንተዘይህበና ከም ዕሩባት ሕልና ምኾና።
ህያብ ክርስቶስ ንሕና አብኡ ጸጋ ረኺብና ብአኡን ምስኡ ሓደ ብምዃንን አብ መዓልቲ ምጽአቱ ብዘይሓደ ጸገም ክንጽበዮ ኢና። ብጸጋ ንክርስቶስ ክንረኽቦ አብ መዓልታዊ ሕይወትና አብ መዓልቲ ፍርድን ቅሩባት ክንከውን ኢና።
አብዚ ጊዜ ምጽአትን አብ ዝተረፈ ክፍሊ ዓመትን ነቂሕና ብተስፋ ክንጽበ አሎና። ንምጽአት ክርስቶስ አብ ሕይወትና አቐዲምና ክንሰናዶ ኩነታትናን እንታይነትና ብዘየገድስ ድሮ ንሱ ተቐቢሉና እዩ። ስለዚ ጊዜ ወሲድና ነቂሕና ክንጽበ እዚ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዓቢ ጥቕሚ አልኦ እሞ ጽባሕ ንዝመጽእ ብተስፋ ንምጽአት ክርስቶስ ክንጽበ።
አብ ኢሳያስ 63፡16~19 ዘሎ እንተ አንበብና ሰባት አብ ትጽቢት እንከለዉ ትጽቢቶም ክምህንን እንከሎ ዛሕልን ጉድለትን ከምኡ ትጽቢቶም ጽልግልግ ክብል ንዕዘብ። እሳራኤላውያን ካብ ስደቶም ተመሊሶም ሓዲስ ተስፋ ረኺቦም ንርእዮም፥ እግዚአብሔር እንደገና ከም ህዝቡ ክርእዮም እሞ ናቱ ክገብሮም እዩ። ኢየሩሳሌም ግን ናይ ዝዓነወ እክብካብ እያ፥ እግዚአብሔር ብማዕዶ ብሩሕቕ እዩ ዝርእያ፥ አብአ ዝነብሩ ሰባት ከአ ንተስፋኦም ዘረጋግጽ ምልክት አይክርእዩን እዮም። ብምጽባይ ደኺሞም፥ ካብ እግዚአብሔር ከይሰምዑ ምንባር አድኪምዎም። ሓንቲ ነገር እቲ ህዝቢ ክገብራ ዝኽእል ተስፋኦም አምላኽ ምዃኑ ክሕድሱ እሞ ነቲ እግዚአብሔር አብ ዝሓለፈ ታሪኾም ዝገበረሎም ክርእዩ እሞ ምስኡ ሓዲስ ርክብ ክፈጥሩ ኢሳያ ነብይ ይነግሮም።
ሰባት እግዚአብሔር መድኅኖም ምዃኑ እንተ ዘከሩ ነቲ ዝሓለፈ አብ ሕጂ የምጽእዎ ከምኡ እቲ ቅዱስ ተዝክሮ ከም መብራህቲ አብ መንግኦም የብርህ። ንአምላኽ ምዝካር ሕይወት ምርካብ እዩ። ንሰብ ብተስፋ ከም ዝጽበ ይገብሮ። አብ ተስፋ ከም ዝነብር ይገብሮ። ንወድሰብ ዝመረረ ክፍኡ ተስፋ ክስእን እንከሎ ጥራሕ እዩ። ሰባት አብ ተስፋ እንተ ነበሩ ንዝሓለፈ ዘኪሮም ፍልልይ አብ መንጎ ተስፋ ቑርጸትን ተስፋን አብ መንጎ ሞትን ሕይወትን ዘሎ ፍልልይ ክርእዩ ይኽእሉ። እቲ ዝዝክርዎ ነቒሖም እንታይ ይመጽእ ከምዘሎ ከም ዝጽበዩ ይገብሮም። እግዚአብሔር ከምቲ ቀደም ዝገብሮ ዝነበረ ሎሚ እውን ንሱ ጥራሕ መድኅን ከምዝኾነ ክርእዩ ይኽእሉ። ምኽንያቱ ይጽበዩን ብተስፋ ስለ ዝነብሩን። እቲ መድኃኒ ክሳብ ዝመጽእ ሰባት ብትግሃት አብ ተስፋ ጸኒዖም ተስፋ አይቆርጹን ክጽበዩ እዮም።
ተስፋ ሰባት አብ ሃዋሁ አይኮነን እዚ እዩ ንብዙሓት ዘጸግሞም እቲ መድኅን ክመጽእ ምዃኑ ዘይምፍላጥ። ከም ክርስትያን ንስም መድኃኒ ኢየሱስ እቲ እንኮ ስም ብአኡ ዝደኃና ነብዕል። ንሱ እቲ ሕሩይ አምላኽ፥ ፍቑር ውሉድ፥ አብ ተስፋ ቑርጸት ዝቃለሱ ንዘለዉ ህዝቢ ናይ አምላኽ መልሲ እዩ፥ንሱ እቲ ናይ ቀደም ስም አምላኽ ሥጋና ለቢሱ አብ መንጎና ዝሓደረ እዩ።
አብ ኢየሱስ አምላኽ ንደቂ ሰብ ተስፋ ብዘይ ምቑራጽ ብፍቕሪ ይጽውዖም፥ አብዚ ፍቕሪ እዚ ዝኾነ ጽልኡ ወይ ፍልልይን ሕማቕ ነገራትን አየሸንፎምን። መድኃኒ አብ ጎደናታትና ነቶም ዝጠፍኡን ዝቖሰሉ ከሕዊ ነቶም ዝርሓቑ ከቕርብ ይመጽእ አሎ። መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ አብ መስቀል አእዳዉ ዘርጉሑ ምስ ሞተ መድኃኒ ዝገብሮ አረጋጊጹልና። ንሱ ንርእሱ ምእንቲ ካልኦት ኢሚንቲ ገሩ ቀሪቡና። አብ ኢየሱስ አምላኽ እቲ ናይ መጀመርያ ፍቕሩ አርእዩና።
ናይ ኢየሱስ ታሪኽ ከም መድኅና ቅዱስ ታሪኽ አብ ትውፊትና ኮይኑ ክሳብ ዳግማይ ምጽአቱ ሕያው ገርና ንዓቅቦ። ንሕና አብ መንጎ ክልተ ጊዝያት ኢና ዘሎና ማለት አብ መንጎ ቀዳማይ ምጽአት ኢየሱስን ካልአይ ምጽአቱ አብ መወዳእታ ዓለምን። ነቲ ቀዳማይ ንዝክሮ ኢና ነቲ ዳሕረዋይ ንጽበ አሎና። ናይ ሎሚ ወንጌል ከመይ ኮና ክንጽበ ከም ዘሎና ይሕብረና፥ ብሓንሳብ ነቒሕና አብቲ አሎናዮ ጊዜ ክንጽበ።
ኩሉ ጊዜ ነቒሕና ተበራቢርና ክንጽበ ነቲ መድኃኒ ዝደልዮ አብ ሕይወትና እናነበርና አብ ዘሎናዮ ቦታን ጊዜን ክንጽበ። ናይ ኢየሱስ ዝኽርታት ንአና ሕይወት እዩ እዚ ኸአ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ጥራሕ ዘይኮነ አብ መንጎና ነቲ ናይ አምላኽ ሓቅን ነቲ ንሱ ዝገበረልና አብ መንጎና ክንካፈሎ ከሎና ንፍጽሞ። ንኢየሱስ ሕጂ አብ መንጎና እንተ ገበርናዮ ዝኽርታቱ ሕያው ንገብሮ። ከምኡ ክንገብር ከሎና ከም ህዝቡ ሕድገት ኃጢአትናን ፍቕሩን አብ ቃልሲ ዝመልኦ ሕይወትና ክንረክብ ንኽእል። ክሳብ ሽኡ ንጽበ። አብ ትጽቢት ከሎና አምላኽ ጸግኡ ክህበና ክንጽሊ ይግብአና። ብፍሉይ ሰላም ክህበና ሓጎስ ብዝመልኦ ተስፋ ንምጽአት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጽበ አሎና።
ነዚ ቅዱስ እዋን ቅድስና ለቢስና አብዚ እንሰናደውሉ ዘሎና ብንፉሕ ሕልናን መንፈስን ክንቅበላካ ሓግዘና አብርሃልና እናበልና ንፈቃር አምላኽና ንለምኖ። ንስሓ ሕድገት ምሕዳስ መለለይና ገርና ንልደት መድኅኒና ንቀራረብ። አብኩሉ ጸጋ አምላኽ አይፈለየና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.