2011-12-15 18:15:54

ኩነታት ስደተኛታት ደቡባዊ ሱዳን ፡


ደቡባዊ ሱዳን ፡ ካብ ሰሜናዊ ሱዳን ተፈልያ ነጻነታ ካብ ትእውጅ አብ ሞንጎ መንግስታት ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ሰላምን ርግአትን ከም ዘይተረኽበ ክምልከት ከሎ ፡ አብ ያው ዝተባህለ ዶብ ክልቲኤን ሀግራት ዘሎ ወተህደራዊ ወጥሪ ነቶም አብ ዪዳ ዝተባህለ ቦታ ዘለዉ ዕሳር ሺሕ ስደተኛታት የስግኦም ከም ዘሎ ናይ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ላዕላውይ ኮሚሽን ስደተኛታት አፍሊጡ ።

እቲ ላዕላዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ካብ ደቡባዊ ኮርዶፋን ዝተዘናበሉ በሽሐት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ሰብአዊ ረዲኤት መግብን ማይን ሕክምናን የቅርብ ከም ዘሎ አፍሊጡ ።

በጠንቂ ህውከት ካብ ምብራቃዊ ደቡብ ሱዳን ካብ ብሉ ናይል በሽሐት ዝቁጸር ህዝቢ ናብ ላዕላዋይ ናይል ይግዕዝ ከም ዘሎ ክአ እቲ ላዕላዋይ ኮሚሽን ባይቶ ሐበሬታ ሂቡ ።

አብ ዝሐለፉ ወርሐት ካብ ብሉ ናይልን ደቡባዊ ኮርዶፋንን 50 ሺሕ ህዝቢ ደቡባዊ ሱዳን ከም ዝአተወን 33 ሺሕ ደቡብ ሱዳናውያን ንጐረቤት ኢትዮጵያ ተሳጊሮም ዑቅባ ከም ዝሐተቱን ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.