2011-12-15 13:26:55

ኣሰር እግዚኣብሔር?


ኣብ ውሽጢ እቲ እዚዩ ዝነኣሰ ባእታዊ ንጥረ ኣካል ቦሶን ኦፍ ሂግስ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ ኩሉ ኣዚዩ ዝነኣሰ ባእታዊ ንጥረ ኣካል መበገሲ ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ካልእ ካብኡ እውን RealAudioMP3 እዚዩ ዝነኣሰ ኣሰር መሠረታዊ ነገረ ኣካል ኩል ዝኾነ ካልእ ባእታዊ ንጥረ ነገር ብኽልተ ናይ ተፈጥሮ ሥነ ኣካል ሊቃውንቲ ዝኾኑ ዜጋታት ኢጣሊያ ዝምርሕ ጉጅለ ናይ ተፈጥሮ ሥነ ኣካል መጽናዕቲ ምርምር ብዝፈጸሞ ክልተ ዝተፈላለዩ ሙከራታት ዝተረጋገጸ ርኽበት ብወግዒ ከምእተገልጸ እንክፍለጥ፣ እዚ ርኽበት’ዚ እንተድኣ ብሓቂ ተረጋጊጺ ንናይ ኅልዮ ነገር ወይ ድማ ንናይ ነገር ክልሰ ሓሳብ ምሉእነት ዓቢ ግደ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ከዋኽብቲ ምርምር ማእከል ኣባል ናይ ሥነ ከዋክብቲ ሊቅ ኣባ ጋብሪኤለ ጆንቲ ብዛዕባ እቲ ርኽበት ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮ።
እቲ ኣብ ናይ ፍጥረት ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ተፈጻምነት ዝገልጽ ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸን ዘገልግል ዘሎ መምዘኒ። ኣብዚ ኣብነታዊ መምዘኒ’ዚ ድማ ንናይ ክፋል ንኡስ ንጥረ ነገር ዘቕውም ኣወሃሃዲ ስሕበትን ድኹም ውህደትን ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ። በዚ መጽናዕቲ’ዚ ኣብ 1978 ዓ.ም. ናይ ተፈጥሮ ሥነ ኣካል ምርምር ናይ ኖበል ተሸላሚ ተዋሂቡ እውን እዩ። እቲ ስሕበታዊ ውህደት ዝብል ርኽበት ግን ኣብ 1984 ዓ.ም. እዩ ብናይ ተፈጥሮ ሥነ ኣካል ሊቅ ካርሎ ሩቢያ ዝተፈጸመ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን ነቲ ናይ ኵሉ መሠረት ዝኾነ ኣዚዩ ዝነኣሰ ንጥረ ነገር ብቦሶነ ሂግስ ዝጽዋዕ ሓባራዊ መምዘኒ ብምጥቃም መሠረታዊ ነገር ንምርካብ ምርምር ክካይድ ጸኒሑ ኢዩ ገና ይቕጽል እውን ኣሎ።
እዚ ሓድሽ ዜና ብዙሓት ጋዜጣታት ናይ እግዚኣብሔር ንጥረ ተረኺቡ ዝብል ብናይ ይግብኣኒ ዓይነት ኣገላልጻ ዜና ይህባሉ ኣለዋ። ኣሰር እግዚኣብሔር ተረኺቡ ብዝብል ኣገላልጻ ሓተታ እውን ይቐርብ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ግንቢ ባቢሎን ካብ ይግብኣኒ ዝብል ትዕቢት ዝነቐለ ባህሊ ዘዘኻኽር እውን ኢዩ። ኣሰር እግዚኣብሔር ተረኺቡ ቢልካ ምግላጽ እውን ንገዛ ርእሱ ምኽንያት ኣለዎ፣ እዚ ይግብኣኒ ዝብል ዓይነት ፈተና ሥነ ምርምር ዘይተርፍ ኢዩ። እቲ ዝነኣሰ ንጥረ ነገር ተረኺቡ እናተባህለ ብቐጻሊ ድማ ገና ዘይተረጋገጹ ርኽበታት ኣብነት ኅልዮ ክቕርብ እዩ። ስለዚህ ኣሰር እግዚኣብሔር ቢሎም ክገልጽዎ ዝደረኾም ክሳብ ሕጂ ንምርካቡ ዘጸግም ስለ ዝነበረ ጥራሕ እዩ። ስለዚህ እቲ ርኽበት ዘይኮነስ እቲ ንምርካቡ ዝተገብረ ጻዕሪ ኢዩ ኣሰር እግዚኣብሔር ዝብል ምጸውዒ ክወሃቦ ዝደረኸ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.