2011-12-08 14:12:00

ሕጉስ ንምዃን ንእግዚአብሔር ምርካብ የድሊ፤ ነዚ ከአ ንጹሓት ልቢ ጥራሕ እዮም ዝፈልጥዎ።


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ፣ ብዛዕባ ጸሎት “ምንም ኣበር ዘይብሉ ልቡ ምስ እግዚአብሔር ሕጉስ ርክብ ከካይድ ኣይእግሞን፣ ካብ ከምዚ ዝበለ ርክብ ከአ ሓቀኛ ናይ ክርስትያን ጸሎት ክፍልፍል ይኽእል” እንክብሉ ናይቲ ኡነተኛ መምህር ጸሎት ዝኾነ ኢየሱስ ናብ ኣቦኡ “ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። እወ፡ ኣቦየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። ካብ ኣቦይ ኲሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን።” (ማቴ 11፤25) ቢሉ ዝጸለዮ ጠቂሶም ሰፊሕ አስተምህሮ ሂቦም።
ቅዱስነቶም ኣብዚ ግዜና ንብዙሓት ኣዛሕቲሉ ንዘሎ ጉዳይ ምድጋም ጸሎት ዘኪሮም ከአ “ከመይ ገቢርና ብጸሎት ናብ አምላኽ ክንቀርብ ንኽእል?” እንክብሉ ይሓቱ እሞ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ከኣ “ንኢየሱስ ብምምሳል” ክብሉ ይምልሽዎ።
ከም አብነት ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ጸሎት ኢየሱስ ብምውሳድ ከኣ “እዚ ክቡር መዝገብ ዝኾነ ጸሎት ኢየሱስ ማኅሌት ኢዮቤል ወይ ናይ መሲሓዊ ኢዮቤል ማኅሌት ኢዩ፣ ኢየሱስ ከም መኽፈቲ ናዚ ጸሎት እዚ ዚጥቀመሉ አንቀጽ ዓሚቍ ፍልጠትን ሌላይ ናይ ምህላው ወይ እውን ብኩሉ ናይ ምስምማዕ ትርጉም አለዎ። በዚ ኸኣ ኢየሱስ ነቦኡ ምሉእ ብምሉኡ ፍጹምን ዓሚቍን ብዝኾነ መንገዲ ከምዝፈልጦን ብኩለንትናኡ ከኣ ምስቲ ዝፈልጦ ሥራሕ አቦኡ ማለት መደብ ድኅነት ደቂ ሰባት ብደስታ ከምዝሰማማዕ ይኅብር” ብማለት ድኅሪ አብሪሆም፣ ትርጉም ናይ ምልላይ ወይ ምፍላጥ እውን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
“ከምቲ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ሰባት ክንላለ እንከሎና ዝጋጥመና፣ ዝኾነ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝካየድ ሌላ ወይ ምፍላጥ ዕምቈቱ ብዘየግድስ ኣብ መንጎ ፈላጥን ተፈላጥን ሓደ ውሳጣዊ ምትእስሳር አሎ፣ ብዘይ ናይ ባህርይ ማለት መንነት ምውህሃድ ምፍላጥ ክህሉ ኣይክእልን፣ ኢየሱስ ኣብ ማኅሌት ኢዮቤል፣ ከምቲ ኣብ ኩሉ ጸሎታቱ ዘሎ ሓቀኛ ፍልጠት ኣምላኽ ከም ቅድሚ ኩነት ምሳኡ ምውህሃድ ከምዘድሊ ይገልጸልና። እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ከአ ብመንጎኝነት ምስቲ ምስ እግዚአብሔር ፍጹም ውህደት ዘለዎ ክርስቶስ እንተዘይኮይኑ ናብ እግዚአብሔር ክበጽሕን ደስታ ውሉድነት ክረክብን ዝኽእል የልቦን፣ ናብ እግዚአብሔር ምቅራብ ማለት ነቲ እግዚአብሔር ንኩሎም ደቂ ሰባት ብዘይ አፈላላይ ዘይኮነስ ነቶም ኅሩያት ጥራይ ክገልጾ ንዝደልዮ ምሥጢራት ምፍላጥ ማለት እዩ። መለኮታዊ ተገልጾ ምስ ምድራዊ አተሓሳስባ ኣይሰማማዕን እዩ፣ ኣብ ምድራዊ ኣተሓሳስባ ነቶም ክፈልጡ ንዝደልዩ ኣድለይቲ ነገራት ዘመሓላልፉ እቶም ምህራትን ክኢላታትን እዮም፣ እግዚአብሔር ግን ኣብ መለኮታዊ ግልጸት ኣንጻር ናይዚ እዩ ዝጥቀም፣ ናይቲ መልእኽቱ ተቀበልቲ እቶም ናኣሽቱ ወይ እውን ሕጻናት ዝብሎም እዮም። እዚ እዩ ፍቃድ ኣምላኽ ወልድ ከኣ ነዚ ብታሕጓስ ይካፈሎ። እግዚአብሔር ነዚ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሐጎስ ነቶም ከም ወልድ ምስ ፍቃድ አቦ ብምልአት ዝሰማምዑ ይዕድል። ኢየሱስ ኣብ ማኅሌት ኢዮቤል ዝገልጾ ነቶም ነዚ ዕድል እዚ ከም ሕፃናት ንዝቅበልዎ ኩሎም ከማኡ ኣቦ ከክፍሎም ንዝመረጾም ኩሎም ኣብ ውሉዳዊ ኣፍልጦ እግዚአብሔር ክጽንብሎም ይደሊ፣ ንእሽቶ ሕጻን ገርሂ ምዃንከ እንታይ ማለት እዩ እንተበልና፣ ከምቲ ምንም ዘድልየና ነገር የለን ወላውን እግዚአብሔር ብዝብል ሓሳብ ልቦም ዝዓጽው ዘይኮነ ከም ሕጻናት ገርሂ ልቢ ክህልወካ የድሊ ማለት ገጽታ እግዚአብሔር ኣብ ኢየሱስ ክርቶስ ክተለሊ ዘኽእል ንጽሕና ልቢ ምህላው የድሊ” ብማለት ነቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎጽ 5፣ ዘሎ “ንጹሓት ልቢ ብጹዓን እዮም ከመይ ንእግዚአብሔር ክርእይዎ እዮም” ዝብል ጠቂሶም እቲ ወንጌል ናኣሽቱ ሕፃናት ገርህታት ቢሉ ዝጽውዖም ትርጉም ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም መንገዲ ኣፍልጦ ወንጌል ከትመሃሮ ዘሎካ ዓንቀጸ ሃይማኖት ወይ እውን ሞራላዊ መምርሒ ዘይኮነ ክትክተሎ ዘሎ ሕያው ኣካል እዩ፣ እዚ ኸኣ ኢየሱስ ኢዩ። ኢየሱስ ከአ በቲ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ውኅደትን ፍቅርን ብምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዝሕጐስ እዩ።
“ንሕና እውን በውህበት መንፈሱ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ንኽእል ብውሉዳዊ ምትእምማ “ኣባ” እናበልና ሽም ኣቦና ክንጽውዕ ንኽእል፣ ኮይኑ ግን ንጽሕና ልቢ ሕጻናት ክህልወና ኣለዎ፣ ብመንፈስ ድኻታት ክንከውን ኣሎና፣ በይንና ንሕይወትና ክነቅውም ከምዘይንኽእል እንታይ ደኣ እግዚአብሔር ከምዘድልየና ርእስና ዘይንኽእል ምዃና ኣሚና ክንረኽቦ ክንሰምዖ ክንዛረቦ ከምዘድልየና ምፍላጥ የድሊ” እንክብሉ ትምህቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.