2011-12-06 13:34:06

ኣብ ህንዲ ናይ ብሆፓል ሊቀ ጳጳስ፦ ፍትሒ ንግዳያት “ኅብረት ካርቢደ” ኢንዳስትሪ


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ “ኅብረት ካርቢድ” እተሰምየ ኅብረ - ብሔራዊ ናይ ሥነ ቀመማዊ ኢንዳስትሪ ፈውሲ ባልዕ ዘምርት ጨንፈር ኢንዳስትሪ ኣብ ህንዲ RealAudioMP3 ዕለት 3 ታሕሳስ 1984 ዓ.ም. ብዘጋጠሞ ሓደጋ ግንፋለን ላሕኰ ጋዝ ጠንቂ 15 ሺሕ ዜጋታት ህንዲ ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዔ እንክዝከር፣ እቲ ኣብ ህንዲ ከተማ ብሆፓል ዝተኸስተ ናይ ቀመማዊ ኢንዳትሪ ሓደጋ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዘስካሕክሕን ናይ ኢንዳስትሪ ሓደጋ ተባሂሉ ዝንግረሉ ናይ ብዙሓት ሕይወት ሰብ ንሞት ዝዳረገ፣ ቅድሚ ትማሊ በቲ ዘጓነፈ ሓደጋ ጠንቂ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ዜጋታት ዝኽሪ መበል 27 ዓመት ምኽንያት ኣብ ህንዲ ናይ ብሆፓል ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ለዮ ኮርነሊዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብጀካ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጓነፎም 15 ሺሕ ዜጋታት፣ ካልኦት በሸሓት ንዝቍጸሩ ዝተፈላለዩ ንቐጻሊ ሕማማት ዘቓልዔ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ እታ ከተማን ናይቶም ግዳያት ሥድራ ኣባይትን ካብቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተረፉ ዜጋታት ክሳብ ሕጂ ፍትሒ ከምዘየረኸቡን ሕግን ፍትሕን ይጎድል ከምዘሎን፣ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ለንደን ንኽካይድ ተወሲኑ ናይ ዘሎ ዓለም ለኸ ኦሎምፒክ ስፖርት ካብቶም ደገፍቲ ዓበይቲ ትካትላትን ኢዳስትሪታትን ሓደ እቲ ነቲ ናይ ኅብረ - ብሔራዊ ኢንዳስትሪ “ኅብረት ካርቢደ” ኣብ 2001 ዓ.ም. ዘጠቓለሎ ዶው ኬሚካልስ እተሰምየ ቀመማዊ ኢንዳስትሪ ከምዝኾነን፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ሰብ ሞትን ቀጻሊ ሕማማትን ዘውረደ ኢንዳስትሪ ናይቲ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ደጋፍን ጎስጓስን ኮይኑ ክቐርብ ምርኣዩ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኢዩ ኢሎም።
ሕዝቢ ከተማ ብሆፓል ድሕሪ እቲ ዝወረደ ሓደጋ ምንም ዓይነት ሓገዝ ኣይተውሃቦን፣ እቶም ደገፍ ዝረኸቡ እንተዀኑ እውን እቲ ዝተቐበልዎ ሓገዝ ምስቲ ዘጓነፈ ሓደጋ ዘይመዓራረይ ዘይእኹል ኢዩ። መንግሥቲ እውን እንተዀነ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከም መጋበርያ ፖለቲካ ዝጥቀመሉ ጥራሕ ኮይን ኢዩ ተሪፉ ዘሎ። ክሳብ ሕጂ በቢ ዓመቱ ናይቲ ከባቢ ዜጋታት ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ፍትሒ ካብ ምሕታት ዓዲ ከምዘይወዓለ ድማ ገሊጾም፣ ሕድ ሕዳዊ ምውቕቓስ ኣብ ዘብጽሕ የብሉን፣ እቲ ኅብረ ብሔራዊ ኢንዳስትሪ ንሕዝቢ ካሕሳ ክኸፍል ተበይንዎ እንከብቕዕ፣ እቲ ካሕሳን ደገፍን ግን ኣበይ ኣሎ? እዚ ጉዳይ መዕለቢ ክሳብ ዘርየኸበን ክደናጎይ እንከሎ ድማ ንናይ ፖለቲካ ሰልፍታት መጋበርያ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። ናይዚ ኩሉ መዕለቢ ድማ ፍትሓዊ ውሳኔ ጥራሕ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.