2011-12-06 13:35:55

ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት


ዕለት 26ን 28 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ውጽኢቱ ኣብ ዝወሃበሉ ዘሎ ዕለት 6 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. RealAudioMP3 ኣብታ ሃገር ዝርኤ ዘሎ ውጥረትን ሁከትን ክውገድን ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ምትላል ተራእዩ ኣንተድኣ ኔሩ ተሓተትቲ ንሕጊ ክቐርቡ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት ብምቕራብ ሉኣላዊነት ሕጊ ክጥሓስ የብሉን ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ብፁዓን ጳጳሳት ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ሕዝብን ናይቲ ምርጫ ተቖጻጻሪ ናጻ ድርገትን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ኣባላትን ንናይቲ ምርጫ ሓቀይና ውጽኢት ተኣዘዝቲ ኮይኖም ክርክቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ኣብ ቅዋም ሃገር ሰፊሩ ዘሎ ብዛዕባ ሕዝባዊ ምርጫን ቁጽራ ድምጽን ዝምልከት ዓንቀጽ 63 ብዝሒ ዝተመዝገበ ኣድማጽን፣ ዝተውሃበ ድምጽን ክውን ድምጽን ካብ መምርሒ ኣደማምጻ ወጻኢ ኮይኑ ዝተረኽበ ዘይቁጸር ዝድምሰስ ድምጺ ብዝሒ ብትኽክል ክግለጽ ኣለዎ። እቲ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ግብረ ምትላላት ብትኽክል ክጽናዕን ብሕጊ መሠረት ግቡእ ውሳኔ ክወሃቦ ጻውዒት ከምዘቕረቡ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝፈነዎ ዜና የረጋግጽ።
እዚ ክምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቲ ሕዝባዊ ምርጫ ተዓዘብቲ 30 ሽሕ ኣባላት ከምዝመደበትን በቢ ክልተ ድባ ናብ ኩለን ነቝጣ ምርጫ ከምዝለኣኸቶምን ካብቲ ጠቕላላ ነቑጣ ምርጫ 23.9 ሚእታዊ ጥራሕ ክሽፍኑ ከምዝኸኣሉን ካብኣቶም 6 ሺሕ ጥራሕ ብእዋናዊ ኢደ ጥበብ ዝተራቐ ናይ መራኸቢ ብዚሃን መሳርሒ ከምዝነበሮም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ ሓቢሩ። ተሳትፎ ኣድማጺ ሕዝቢ ልዑል ከምዝነበረን፣ እዚ ድማ ዘሕጉስ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብ ገለ ገለ ናይ ምርጫ ነቝጣታት ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ምትላላትን ዓመጽን ይርኤ ከምዝነበረ ካብቶም ተዓዘብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዝሕብር ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ፣ ሓፈሻዊ ውጽኢት ሕዝባዊ ድምጺ ኮንጎ ሎሚ ዕለት 6 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ክወሃብ ምዃኑ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.