2011-12-03 15:05:27

ኮንጎ
ናይ ካናጋ ሊቀ ጳጳሳት “ወጥሪ ሕዝባዊ ምርጫ ናብ ጸረ ሃይማኖታዊ ኩነት ዝድርኽ ኮይኑ ኣሎ”


እቲ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝሓለፈ ዕለት 26ን 28 ሕዳር ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ውጥረት ዝተራእዮ ከምዝነበረን እቲ ዝተወጠረ ኩነት ጸረ ሃይማኖታዊ መልክዕ ዝተመልኦ ከምዝነበረ RealAudioMP3 ኣብታ ሃገር ናይ ጋናጋ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ወዲ ሃገር ብፁዕ ኣቡነ ማርሰል ማዲላ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ቡወና ሙቱን ማሎለን ካቶካን በና ለቃን ኣብ ካልኦት ከባብታት ኣብ ልዕሊ ናይ ደናግል ማኅበራት ዘይምቹእ ኩነትን ጸረ ደናግል ተግባራት እውን ይፍጸም ከምዘሎን ናይዚ ኹሉ መንቀሊ ድማ ሓንቲ ናይ ኢየሱስን ማርያምን ናይ ፍቕሪ ደናግል ማኅበር ኣባል ኣብ ቡዌና ሙንቱ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣመሕዳሪት ድንግል ኣብቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ንሓደ ሕጹይ ተመራጺ ናብ ሠዓርነት ዝድርኽ ናይ ምትላል ተግባር ፈጺመን ብዝብል ኣብ ልዕሌን ዝተለዓዓለ ናይ ሓሶት ክሲ ዘበገሶ ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ እተን ድንግል ጅሆ ኮይነን መግረፍቲ እውን ከምዝወረደን ሳላ ሓለውቲ ጸጥታ ክድሕና ክምዝኸኣላ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
ኣብቲ ከባቢ ተግባር ጸረ ማኅበራት ደናግል ይሰፍሕ ከምዘሎን፣ ብደናግል ኮነ ኣብቲ ከባቢ ብዘላ ቤተ ክርስትያን እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ቅኑዕ ውጽኢቱ ንምዝባዕ ኢደ ኣታውነት ተገይሩ ዝብል ዝንዛሕ ዘሎ ክሲ መሠረት ዘይብሉ ኢዩ ተሓታቲ እንተሎ ድማ ብናይ ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና መሠረት ግቡእ ውሳኔ ክወሃቦ ከምዝኾነ ብፁዕነቶም ከምዘረጋገጹን ቤተ ክርስትያን ኣብ ፖለቲካ ኢደ ኣታውነት ወይ ድማ ናይ ዝኾነ ይኹን ናይ ፖሊቲካ ሰልፊ ወገን ከምዘይኮነትን ከምዘይትኸውንን ኣረጋጊጾም፣ ሕዝብን ብፍላይ ድማ መንእሰያት በቲ ኣብ ልዕሊ ደናግልን ቤተ ክርስትያንን ዝንዛሕ ዘሎ ናይ ሓሶት ዜና ከይታለል ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.