2011-12-03 15:02:00

ቀዳማይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር፦ “ወንጌል ከም መደብ ኣምላኽ ሱር ክሰድድ”


ናይ ሓዋርያዊ መንበር ሰባኬ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ተሓባበርቶም ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቫቲካን ትማሊ ንጎሆ ናይ ዘመነ ምጽኣት ቀዳማይ ስብከት ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣባ ካንታላሜሳ ኣብታ ቀዳመይቲ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ኣብ ናይ መጀመሪያ ቀዳሞት ሰለስተ ዘመናት መርትዖ ምስፋሕ ክርስትና ኣማእኪሎም፣ እቲ መርትዖ ምስፋሕ ክርስትና ሎሚ እውን RealAudioMP3 ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያን ብሓዋርያዊ ትብዓት ክስነይ ዓዲሞም፣ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ክዕወት ዝኽእል ቤተ ክርስትያን ኣብ ምእመናን ክርስትያን ናይ ብሥራት ውሳጣውን ልባውን ርጉጽነት ሓቂ ከተበራብር ምስ እትኽእል ጥራሕ ኢዩ ኢሎም። ታሪኽ ኣስፍሆተ ወንጌል፣ እዚ ድማ ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትያን ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ዝገጠመዎ ኩነት፣ እቲ ትብዓቶም ንናይ 21 ክፍለ ዘመን ክርስትያን ዘመሓላልፎ ኣብነታዊ ትምህርቲ፣ ደረጃ ብደረጃ ምስቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ክልተ ሺሕ ዓመት ዕድመ ኣተሓሒዞም፣ ምስፋሕ ወንጌል ዝፈጸሞ ዘደንቕ ቅልጡፍ ከይዲ ንናይ ዘመነ ምጽኣት ናይ ስብከት ብርባዕተ ምዕባሌታት ወይ ድማ ብርታዔ ወሓዝነቱ መሪሕ ገይሮም ከቕርቡ ምዃኖም ንቕዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ኣላልዮም፣ ናብ ናይ ዘመነ ምጽኣት ቀዳማይ ስብከት ተመሊሶም፣ ነቲ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ዘመን ዝተራእየ ብርታዔ ወሓዝነት ወንጌል ኣብቲ ክርስትና ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ብርታዔ ተደሪኹ ብዘይ ናይ ማንም ደገፍ ወይ ድማ ምድራዊ ቅልጽም፣ ዝርኤን ዝረጋገጽን ዝነበረ ምልዋጥ ብንዋታውን ባህላውን ደጋዊ ሓለፋታት ዝተደገፈ ከምዘይነበረን ክርስትያን ምዃን ከም ልሙድ ወይ ድማ ሓፈሻዊ ኣንፈት ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ክሳብ ናይ ሕይወት መሥዋዕትነት እውን ዝሓትት እንተኾነ፣ ኣንጻር ምስቲ ቅቡልን ልሙድን ዝነበረ ኩነት ቆይሙ፣ ዘይ ምስሉይነት ዝብል ምርጫ ምንባር ማለት ኢዩ ምስ በሉ፣ ነዚ ታሪኽ ክርስትና ናይ ቀዳሞት ዘመን ምስ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ኣተሓሒዞም፣ ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ተገንዚቦም፣ ኣብ ናይ መጀመሪያ ቀዳሞት ሰለስተ ዘመናት መርትዖ ምስፋሕ እምነት ክርስትና እንከረድኡ፣ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ውሽጢ ዝተራእየ ብወንጌል ዝተሰርተ ሕይወት ናይ ምንባር ብቕዓት ኣብቲ እዋን ኣብ ዝነበረ ማኅበራዊ መዳይ ነቲ ኣብ 302 ዓ.ም. በቲ ዝነበረ ሮማዊ ግዝኣት ንጉሥ ዲዮክሌዚያኑስ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝኣወጅዎ መቕዘፍቲ ዝኣመሰሉ ዝተፈጸመ ክርስትያን ናይ ምጽናት ውሳኔን እውን እንተነበረን ናይ ደም ሰማዕትነት ዝሓትት እውን እንተኾነ በዚ ከይተዓግተ ዝተራእየ ዓወት ወንጌል፣ ኃይሊ እምነት ክስርስትና ዓጋቲ ዘይብሉ፣ ነቲ ኃይሊ እምነት ክርስትና ክጎልሕ ኢዩ ዝገበሮ። ዝተረጋገጸ ኩሉ ሰዓሪ ኃይሊ እምነት ክርስትና መሠረት ካብ 306 ክሳብ 337 ዓ.ም. ዝገዝኤ ንጉሥ ቆስጣንጢኖስ እምነት ክርስትና ውግዓዊ ሃይማኖት ቢሉ ከምዝኣወጀን ኣባ ካንታላሜሳ ዘኪሮም ናይዚ ኣዋጅ ኃይሊ ሕዝቢ እምበር እቲ ንጉሥ ኣይነበረን፣ ሕዝቢ ክርስትና ከምዘረጋግጸ ዝምስክር ኢዩ ኢሎም። ኃይሊ እምነት ክርስትና ኣብ ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ከምቲ ኣብቶም ሰለሥተ ተመሳሳልቲ ወንጌላውያን ተጠቂሱ ዘሎ ምሳሌ ዘራኢ፣ ከምዘመልክቶ፣ እቲ ዘራኢ ነቲ ዘርኢ ኣብ ልሙዕ መሬት ምስ ዘርኤ፣ ዘራኢ ይደቅስ ወይ ከኣ ይሓልዎ ብዘየገድስ፣ እቲ ዘርኢ ብዙሕ ፍረ እውን ከምዝሃበ ኣባ ካንታላሜሳ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ምሳሌ’ዚ እቲ ካብ ደጋዊ ኃይሊ ወይ ድማ ካብቲ ዘራእን ብቐዳምነት እውን ካብቲ ልሙዕ መሬት ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ዘርኢን ኣብ ናይ ገዛእ ራሱ ውሳጠ ዘሎ እንታይነትን መንነትን ኣገዳሲ መርትዖ ዓወት ክርስትያናዊ ተልእኾ ኢዩ ዘረጋግጸልና። ኣቲ ዘርኢ ብገዛእ ርእሱ ክዝራእ ዘይከኣሎ እውን እንተኾነ፣ እቲ ፍርያምነቱ ግን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ምዃን ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ዘርኢ ናብ ምድሪ ዝወድቕን ኣብኡ ተቐቢሩ ዝመውት ምስ ዝኾውን “ጎይታና ኢየሱስ ክስቶስ” ብዙሕ ፍረ ከይህብ ዝዓግቶ ወለ ሓደ’ኳ የልቦን።
ብዙሓት ሊቃውንቲ ታሪኽ ክርስትና ኣቃልቦ ዘይህብሉ ነገር እንተሎ እቲ ኣዚዩ ኣገዳስን መሠረታዊ ዝኾነ፣ ክርስትያን እቲ ነቕ ዘይብል ዝተረጋገጸን ወንጌል ንምርግጋጽን ኣብዚ ውሳኔ’ዚ ዘፍርሕ ብዘበለ ኹሉ ከይተሰናበዱ ትብዓት ዝኾኖም ኣብ ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ዕቑር ሓይሊ መሠረት ጽንዓትን ትብዓትን ምስፋሕን ክርስትና ዝኾነ ሓቂ ክዝግብዎ ዘይምኽኣሎም ዘለዎም ውስንነት ኣባ ካንታላሜሳ ጠቒሶም፣ ቅዱስ ሰማዕት ዩስጢኖስ ዘ ናብሉስ ኣበው ቤተ ክርስትያን ኣብቶም ንሞት ዝፈረድዎ ደያኑ ሮማውያን ፊት ቆይሙ ክትቐትሉና እምንበር ክትጎድኡናስ ኣይከኣለኩምን ኢዩ” ዝበሎ ዘኪሮም እዚ ኢዩ ድማ እቲ ኣብ ምእመናን ክርስትያን ንዘሎ ብሥራታዊ ሓቂ ውሳጣውን ልባውን ርጉጽነት ዘበራብር። “ቤተ ክርስትያን - ኣብ ሓደ እዋን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝበለዎ - ናይቲ ዘየጠራጥር ርጉጽ ሓቂ ሓንቀውታን መቐረትን ድላይ ዳግማይ ክትዓትር ኣለዋ” ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም።
ንቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ሓቀይና ኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ” እንክብሉ ገሊጾም ናይዚ ሓደ ምልክታ ድማ እቲ ካብ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ዝጅምር ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት ዘረጋገጾ መደብ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ኢዩ ቢሎም፣ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብትዕግሥትን ብተጻዋርነትን፣ ኣብ ጸሎት ዕጉስ ቕልጡፍ ውጽኢት ብሥራተ ወንጌል ብዝብል ርቡጽነት ዘይምዘን ምስ ዝኸውን ጥራሕ ኢዩ ተዓዋቲ ዝኸውን ኢሎም።
ኣብ ቅድሜና ዘሎ እቲ ብሥነ ምርምርን ብሥነ ሙያውን ዕደ ጥበባውን ብቕዓቱ ርእሰ ተኣማንነት ዝዓብለሎን ንወንጌል ዝሓንገደን ወንጌል ዘቖጥዖን ዓለም፣ ምስቲ ኣብ ሰለስተ ቀዳሞት ዘመናት ዝነበረ ዓለም ክነጻጻር እንከሎ ካብዚ ዘለናዮ ዓለም ብዘይነኣኣስ መጠን ብናይ ግሪክ ባህሊ ዝተወንጨፈ ኣዚዩ ዝተራቐን ወይ ድማ ኃያል ሮማዊ ግዝኣትን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሩ ክርስትያን ካብ ዘጋጠሞም ፈተና ዝዛየደ ኣይኮነን። ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓወት ካብ ዝጸንዔ እምነት ዝምንጭ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ንኽንምስክሮ ዝድርኸና ዋሕዚ ክኸውን ኣለዎ ስለዚህ ዝኾነ ይኹን ድኻምነትን ምስላምን ካብ ልዕሌና ክንኣልዮ ኣሎና ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.