2011-12-01 14:21:26

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ተኸፋፊሉ ኣብ ዘሎ ዓለም ናይ ስንይት ምስክርነት ነቕርብ”።


ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ቁስጥንጥንያ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ኣብቲ ምግምማዕን ሓደገይና ወጥርን ዘሕልፍ ዘሎ ወዲ ሰብ ከዋህድ ዝኽእል RealAudioMP3 ብዝተሰማምዔ ኣገባብ እምነት ምምስካር ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ዘማእከል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣብ ቱርኪ ርእሰ ከተማ ኢስታምቡል ትማሊ ዝበዓለ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ናይ ሃገረ ቫቲካን ልኡኻት ከምእተሳተፉ እንክፍለጥ፣ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ናይ ውህደት ኦርቶዶስክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተሾሙሉ መበል 20 ዓመት ከምዝኾነን ምስቲ በዓል ተተሓሒዙ ከምእተዘከረን ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና፣ ኣብቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ናይ ዝተፈላለያ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት “ኩለን ሃይማኖታት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ በመል 25 ዝኽሪ ዓመት ለብዘበን ዕለት 27 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ ቀጻልነቱ ብምርግጋጽ ንመላእ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መንፈሳዊ መራሕትን ከምኡ እውን እቲ ናይ ለምዘበን ፍልይ ዘበሎ እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ሓቂ ናይ ምድላይ ባህሪኡ ዓቢ ግምት ብምሃብ ቅዱስነቶም ናብቲ ጉባኤ ጸሎትን ዘተን ኢኣማንያን ናይ ባህሊ ሊቃውንቲ እውን ኣብ ዝዓደምሉ ብሓባር ናይ ሰላምን ሓቅን ድልያ ነጋዶት ናብ ኣሲዚ እቲ ዓሚዩቕ ናይ ሓባር ርክብ መሠረት ዘዋህዶም ቅኑዕ ድልያ እግዚኣብሔርን ሓቅን ከምኡ እውን ድላያ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ዓለም ዝግለጸሉ ናይ ሓባር ርክብ ዝፈጸምሉን ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ዘካይድዎ ናይ ቀረባ ርክብን ተመክሮ ገና ኣብ ልቦናኦም ኃያው ተዘክሮ ከምዝኾነ ከምዝመሰክሩ ክፍለጥ እንከሎ። ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዘተሓላለፍዋ መልእኽቶም ሕውነት ዝዓሰሎ ምሕዝነት ዘረጋገጽን ኅልው ኩነታት ብዕምቆት ዘስተንትን ከምዝኾነን፣ እዋናዊ ጭቡጥ ኩነት ባህላውን ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ከምኡ እውን ሥነ ምኅዳራውን መልክዕ ዘለዎ ኣብ ቅድሚ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያን ፊት ዘንብርዎ ሥሙር ኃይሊ ዝተሓደሰ ብሥራተ ወንጌል ከቕርቡ ዝሓትት ብፍላይ ድማ ኣብተን ናይ ወንጌል ብርሃን ዝተቐበላን ሎሚ እቲ ናይ ሰብ ጥልቂ ኵርናዕ ዘድክይ ሥነ ምግባርን ትምህርትን ኣብ ሃይማኖት ክምርኰዝ የብሉን ዚብል ባህሊ ዓለማውነት ብዝተኣታተዎ ኣረኣእያ ምኽንያት ኣብ ዕልሊ ወዲስ ሰብ ስቓይ የስዕብ ከምዘሎን እዚ ድማ ናይ ሓባር ብድሆ ከምዝኾነን፣ ኣገዳሲ ሕጹጽ ናይ ሓባር ተልእኾ ዘገንዝብ ኢዩ፣ ዋላ’ኳ ኣብ መንጎ ዘርኢ ሰብ ውጥረት ይሃሉ በቲ ናይ ሓባር ድልያ ሓቂ፣ መጻኢ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነትን ዝቐርብ ዓይነት ግብረ ሠናይን ምዃኑ ምስትውዓል ዘለዎ ዘዋህድ በሳል እምነት ናይ ዝዓተረ ሰብ ምስክርነት ከነቕርብ ሓላፈነት የልብሰና ኢሎም።
ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእኸ መልእኽቲ ትማሊ ድሕሪ እቲ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ብብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ተመሪሑ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ፍጻሜ ተሳተፍቲ ልኡካነ ቫቲካን ዝመርሑን ቀጺሎም እውን ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለሚዮስ ቀዳማይን ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሲኖዶስ ድርገትን ክሌኣዊ ርክብ ዘካየዱ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮች ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር፣ ናይ ቫቲካን ልኡካን ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሱታፌ ነቲ በቢ ዓመቱ ዕለት 29 ሰነ ዝብዕል ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ ምኽንያት ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቁስጥንጥንያ ብሉኡኻታ ኣቢላ ንእትፍጽሞ ሱታፌ ሞሳ ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፁዕ ካርዲናል ኮች ኣብ ኢስታምቡል ምስ ማኅበረ ሰብ ካቶሊክን ሓለፍትን ተራኺቦም ብዛዕባ ኅብረ ሃይማኖታዊ ዘተ ኣማእኪሎም እውን ኣስተምህሮ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥሙር ምስክርነት ንእዋናዊ ዓለም ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ተኣሚኖም ውሁድ ምስክርነት ክቐርብ ዝሃብዎን ዝህብዎን ዘለዉ ኣገልግሎት ዝነኣድ ምዃኑ ጠቒሶም፣ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም ሰላሙ ከውርድን ምዕባለ ንቤተ ክርስትያንን ንውህደት ኣብ ክርስቶስ ንዝኣምኑ ዝተፈላለዩ ምእመናን ክህሉ መታን ኣብ ዘቕርብዎ ጸሎት ምስ ኩሎም ካቶሊካውያንን ብስሞምን ከምዝሓብሩ ብምርግጋጽ ሰላምን ዕርቅን ዝኣመተ ኣብ ዝፍጸም ጉዕዞ እግዚኣብሔር ዕብየት ይዓድለና ብዝብል ጸሎት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.